ዳንኤል 4:34

ዳንኤል 4:34 ትመ15

እቲ ዘመን ምስ ተፈፀመ፥ “ኣነ ናቡከደነፆር፥ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ፤ ኣእምሮይውን ተመለሰለይ። ነቲ ልዑል ኣምላኽ ባረኽኩ፤ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ ኣመስገንኩን ኣኽበርኩዎንውን። ግዝኣቱ ናይ ዘለኣለም ግዝኣት እዩሞ፥ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዝነብር እዩ።