ዳንኤል 2:20-22
ዳንኤል 2:20-22 ትመ15
ከምዙይውን በለ፦ “ጥበብን ሓይልን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ስም እግዚኣብሄር ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ንሱ ንዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፤ ንነገስታት ይስዕር፤ ንነገስታት ከዓ ይሸይም። ነቶም ጠቢባን ጥበብ፥ ነቶም መስተውዓልቲ ኸዓ ፍልጠት ይህቦም። ንዝዓመቘን ንዝተሰወረን ምስጢር ይገልፅ፤ ነቲ ኣብ ፀልማት ዘሎ ይፈልጦ፤ ብርሃንውን ምስኡ ይነብር።