1
ሉቃስ 8:15
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቲ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ዝወደቐ ዘርኢ ድማ፥ ምስላ ናይቶም ነቲ ቓል ሰሚዖም፥ ኣብ ቅኑዕን ፅቡቕን ልቢ ዝዕቅብዎን፥ ብትዕግስቲ እውን ፍረ ዘፍርዩን እዩ።
Bera saman
Njòttu ሉቃስ 8:15
2
ሉቃስ 8:14
እቲ ኣብ እሾዅ ዝወደቐ ኸዓ፥ እቶም ምስ ሰምዑ፥ ከይዶም ናይ ዓለም ሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ዝሓንቆምሞ፥ ኣብ ፍረ ዘይበፅሑ እዮም።
Njòttu ሉቃስ 8:14
3
ሉቃስ 8:13
እቲ ኣብ ኰዅሒ ዝወደቐ ዘርኢ ኸዓ፥ እቶም ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፥ ብሓጐስ ዝቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዝኣምኑ እምበር፥ ሱር ስለ ዘይብሎም፥ ብጊዜ ፈተና ዝኽሕዱ እዮም።
Njòttu ሉቃስ 8:13
4
ሉቃስ 8:25
ሽዑ “እምነትኩም ደኣ ኣበየሎ?” በሎም። ንሳቶም ድማ ፈርሑን ተደነቑን፤ ንስንሳቶምውን “እዝ ንባሕርን ንንፋስን ዝእዝዝ፥ ንሳቶም ድማ ዝእዘዙሉ መን እዩ?” ተበሃሃሉ።
Njòttu ሉቃስ 8:25
5
ሉቃስ 8:12
እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝወደቐ፥ ምስላ ናይቶም ቃሉ ዝሰምዑ እዩ፤ ኣሚኖም ምእንቲ ኸይድሕኑ ኢሉ፥ ሽዑ ሰይጣን መፂኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ።
Njòttu ሉቃስ 8:12
6
ሉቃስ 8:17
እምበኣር፥ ዘይገሃድ ሕቡእ፥ ዘይፍለጥን ናብ ግሉፅ ዘይወፅእን፥ ስዉር ከቶ የለንሞ።
Njòttu ሉቃስ 8:17
7
ሉቃስ 8:47-48
እታ ሰበይቲ ድማ ኸም ዘይተሓብአት ምስ ረአየት፥ እናንቀጥቀጠት መፂኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፥ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝነኽአቶ፥ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሓወየት ነገረት። ንሱ ኸዓ “ጓለይ፥ እምነትኪ ኣሕውያትኪ፤ ብሰላም ኪዲ” በላ።
Njòttu ሉቃስ 8:47-48
8
ሉቃስ 8:24
ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም “መምህር፥ መምህር፥ ጠፋእና!” ኢሎም ኣንቅሕዎ፤ ንሱ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ባሕርን ገሰፆምሞ ፀጥ በሉ፤ ህደኣትውን ኮነ።
Njòttu ሉቃስ 8:24
Heim
Biblía
Áætlanir
Myndbönd