1
ዘፀኣት 32:1
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቶም ህዝቢ፥ ሙሴ ኻብ እምባ እንተይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአዩ፥ ተኣኪቦም ናብ ኣሮን ከዱ እሞ “ነዝ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ ተስእ፤ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ኸዓ ግበረልና” በልዎ።
Bera saman
Njòttu ዘፀኣት 32:1
2
ዘፀኣት 32:7-8
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “እዞም ካብ ግብፂ ዘውፃእኻዮም ህዝብኻ፥ ሓጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፥ ኪድ ውረድ። ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መንገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ። ካብ ወርቂ ፍሲ፥ ምስሊ ምራኽ ገይሮም ከዓ ሰገዱሉን ሰውኡሉን፤ ‘ኦ እስራኤል! እቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም’ ድማ በሉ” ኢሉ ተናገሮ።
Njòttu ዘፀኣት 32:7-8
3
ዘፀኣት 32:5-6
ኣሮን እዙይ ምስ ረአየ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ምራኽ መሰውኢ ሰርሐ፤ “ፅባሕ ናይ እግዚኣብሄር በዓል እዩ” ኢሉ ድማ ኣወጀ። ንፅባሒቱ እቶም ህዝቢ ኣንጊሆም ተሲኦም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። ክበልዑን ክሰትዩን ተቐመጡ፤ ክደርፉውን ተስኡ።
Njòttu ዘፀኣት 32:5-6
4
ዘፀኣት 32:30
ብፅባሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ንስኻትኩም ዓብዪ ሓጢኣት ገበርኩም። ሕዚ ኸዓ፥ ምናልባሽ ስርየት ሓጢኣት እንተ ረኸብኩልኩም፥ ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ” በሎም።
Njòttu ዘፀኣት 32:30
Heim
Biblía
Áætlanir
Myndbönd