ማርቆስ መእተዊ
መእተዊ
ወንጌል ማርቆስ “ናይ ወዲ እግዚኣብሄር ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል መጀመርታ እዙይ እዩ” ብምባል ይጅምር። ኣብዝ ወንጌል እዙይ፥ ኢየሱስ ከም ሰራሕተኛን ከም በዓል ስልጣንን ኮይኑ እንትግለፅ ንረኽቦ።
እቲ ናቱ ስልጣን ድማ ብትምህርቱን፥ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ብዘለዎ ሓይልን፥ ሓጢኣት ሰባት ይቕረ ብምባሉን ይረአ። ኢየሱስ ብዛዕባ ርእሱ “ንሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣት ሓራ ኸውፅእ፥ ህይወተይ ቤዛ ኸሕልፍ ዝመፃእኹ ወዲ ሰብ እየ” ይብል።
ማርቆስ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ክፅሕፍ እንተሎ ብብሩህ ኣገላልፃን ሓይሊ ብዘለዎ መንገድን ክኸውን እንተሎ፥ ትኹረት ዝገበረሉ ኸዓ፥ ኣብ ቃሉን ትምህርቱን ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ዘደንቕ ተኣምራት እዩ። ብዛዕባ ታሪኽ መጥምቕ ዮሃንስን ብዛዕባ ጥምቀት ኢየሱስን ፈተናኡን ሕፅር ዝበለ መብርሂ ምስ ሃበ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ዘሕወዮም ሕሙማትን ዝሃቦ ትምህርትን ይገልፅ። ደሓር ግና ተኸተልቲ ኢየሱስ ብዝበለፀ እናፈለጥዎ እንትኸዱ፥ እቶም ኣንፃር ኢየሱስ ዝኾኑ ግና፥ የመና እናፀልእዎ ኸም ዝኸዱ ይገልፅ። እተን ናይ መወዳእታ ምዕራፋት፥ ጐይታ ኢየሱስ ኣብ መወዳእታ ዘሕለፋ ሰሙን ንዝተፈፀመ ዅነታት፥ ብፍላይ ከዓ ብዛዕባ ስቕለቱን ትንሳኤኡን ዝገልፃ እየን።
እቲ ኣብ መወዳእታ ወንጌል ኣብ ሓፁር [ ] ዘሎ ኸዓ፥ ማርቆስ ዝፀሓፎ ዘይኮነስ ካልኦት ሰባት ዘእተውዎ ይኸውን ተብሂሉ ይግመት።
ትሕዝቶ
1. ናይቲ ወንጌል መጀመርታ 1፡1-13
2. ኢየሱስ ኣብ ገሊላ ንህዝቢ ዝሃቦ ኣገልግሎት 1፡14-9፡50
3. ኢየሱስ ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ ጕዕዞ 10፡1-52
4. ኣብ ኢየሩሳሌምን ከባቢኣን ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ሰሙን 11፡1-15፡47
5. ብዛዕባ ትንሳኤ ኢየሱስ 16፡1-8
6. ጐይታና ኢየሱስ ደጋጊሙ ኸም ዝተርኣየን ከም ዝዓረገን 16፡9-20
Nke Ahọpụtara Ugbu A:
ማርቆስ መእተዊ: ትመ15
Mee ka ọ bụrụ isi
Kesaa
Mapịa

Ịchọrọ ka echekwaara gị ihe ndị gasị ị mere ka ha pụta ìhè ná ngwaọrụ gị niile? Debanye aha gị ma ọ bụ mee mbanye