ናሆም መእተዊ

መእተዊ
ትንቢተ ናሆም ብዛዕባ ውድቀት ነነዌ ዝገልፅን ዝትርኽን ፅሑፍ እዩ። ነነዌ፥ ርእሲ ኸተማ ናይታ ንእስራኤል ፀላኢትን ጨቋኒትን ዝነበረት መንግስቲ ኣሶር እያ፤ ኣብ መወዳእታ ሻውዓይ ዘመን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ነነዌ ዓነወት። ውድቀታ፥ ምልክት ናይቲ እግዚኣብሄር ንሓንቲ ፍትሕን ርህራሀን ዘይብላ ሃገር ዘውረደላ ፍርዲ እዩ።
ትሕዝቶ
1. ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ነነዌ 1፡1-15
2. ውድቀት ነነዌ 2፡1-3፡19

Pati Souliye

Pataje

Kopye

None

Ou vle gen souliye ou yo sere sou tout aparèy ou yo? Enskri oswa konekte