ኣሞፅ መእተዊ
መእተዊ
ኣሞፅ ቃል ትንቢቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ዝተገለፀ ቐዳማይ ነቢይ እዩ። ንሱ ኻብ ሓንቲ ኸተማ ይሁዳ ዝመፀ እዩ፤ ግና ኣብታ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል እዩ ዝምህር ዝነበረ። ጊዜኡ ድማ ሻምናይ ዘመን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ነበረ። በቲ ጊዜ እቱይ ሃብቲ፥ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ፥ ቅሳነት ነበረ። እቲ ቕሳነት ግና ዘተኣማምን ኣይነበረን። ምስ እዝ ዅሉ ግና ኣሞፅ፥ እቲ ሃብቲ ኣብቶም ውሑዳት ሃብታማት ጥራሕ ተወሲኑ ኸም ዝነበረ፥ ነቶም ድኻታት ብምግፋዕን ብምጭቋንን ይመፅእ ኸም ዝነበረ ረአየ። ስርዓት ሃይማኖት እንተ ኾነውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ፥ ኣፍኣዊ ጥራሕ ኾይኑ ነበረ።
ስለዙይ ኣሞፅ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ቕፅዓት ከም ዘውርድ፥ ብስምዒትን ብትብዓትን ይሰብኽ ነበረ። “ምናልባሽ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነቲ ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ እስራኤል እንተ ራህርሀሉስ፥ ንኽፉእ ፅልኡ፤ ንሰናይ ከዓ ፍተዉ፤ ኣብ ባይቶውን ቅኑዕ ፍረዱ” እናበለ ይምህር ነበረ። (ኣሞፅ 5፡15)
ትሕዝቶ
1. ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ እስራኤል 1፡1-2፡5
2. ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል 2፡6-6፡14
3. ሓሙሽተ ራእያት 7፡1-9፡15
Chwazi Kounye ya:
ኣሞፅ መእተዊ: ትመ15
Pati Souliye
Pataje
Kopye

Ou vle gen souliye ou yo sere sou tout aparèy ou yo? Enskri oswa konekte

: