1
ሮሜ 10:9
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ስለዙይ ብኣፍካ፥ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፥ ብልብኻውን፥ እግዚኣብሄር ካብ ሞት ከም ዘተስኦ እንተ ኣሚንካ፥ ትድሕን።
השווה
חקרו ሮሜ 10:9
2
ሮሜ 10:10
ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይፀድቕ፤ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን እዩ እሞ።
חקרו ሮሜ 10:10
3
ሮሜ 10:17
እምበኣር፥ ምእማን ካብ ምስማዕ እዩ፤ እቲ ምስማዕውን፥ ብቓል እግዚኣብሄር እዩ።
חקרו ሮሜ 10:17
4
ሮሜ 10:11-13
እቲ ፅሑፍውን “ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ኣይሓፍርን እዩ” ይብል። ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ኣፈላላይ የለን፤ ንሱ ናይ ኵሉ ጐይታ እዩ፤ ነቶም ዝፅውዕዎ ዅሎም ድማ፥ ኣበርኪቱ ዝህብ እዩ። “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ እሞ።”
חקרו ሮሜ 10:11-13
5
ሮሜ 10:15
ከምቲ መፅሓፍ፥ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜና ዘብስሩ፥ ከመይ ፅቡቓት እየን” ዝበሎ፥ እንተ ዘይተልኣኹኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰብኩ እዮም?
חקרו ሮሜ 10:15
6
ሮሜ 10:14
ግናኸ ብእኡ እንተይኣመኑ፥ ከመይ ኢሎም ክፅውዕዎ እዮም? ብዛዕባኡ እንተይሰምዑኸ፥ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኽኣምኑ እዮም? ብዘይ ሰባኺኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ እዮም?
חקרו ሮሜ 10:14
7
ሮሜ 10:4
ዝኣምን ኵሉ ምእንቲ ኽፀድቕ፥ ክርስቶስ ናይ ሕጊ ፍፃሜ እዩ።
חקרו ሮሜ 10:4
בית
כתבי הקודש
תכניות
קטעי וידאו