1
ማርቆስ 6:31
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቶም ዝመፁን ዝኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፥ ንምብላዕውን ጊዜ ስለ ዘይረኸቡ፥ ኢየሱስ “ንበይንኻትኩም ቁሩብ ክተዕርፉ ንዑናይ፥ ናብ ፅምዊ ቦታ ንውፃእ” በሎም።
Sammenlign
Udforsk ማርቆስ 6:31
2
ማርቆስ 6:4
ኢየሱስ ከዓ “ነቢይ እንትርፊ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዓቕን እዩ” በሎም።
Udforsk ማርቆስ 6:4
3
ማርቆስ 6:34
ኢየሱስ ካብ ጃልባ ምስ ወረደ፥ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ። ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ ራህርሀሎም፤ ብዙሕውን ክምህሮም ጀመረ።
Udforsk ማርቆስ 6:34
4
ማርቆስ 6:5-6
ብዘይ እቶም ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም ውሑዳት ሕሙማት ኣብኡ ተኣምራት ኣይገበረን። በቲ ዘይምእማኖም ድማ ተገረመ፤ እናመሃረ ኸዓ ኣብተን ከባቢ ዘለዋ ዓድታት ተዘዋወረ።
Udforsk ማርቆስ 6:5-6
5
ማርቆስ 6:41-43
ኢየሱስ ነተን ሓሙሽተ እንጀራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፥ ናብ ሰማይ እናጠመተ ባረኸ፤ ቈሪሱውን ከቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ከምኡውን እቲ ኽልተ ዓሳ ንዅሎም ኣከፋፈሎም። ኵሎም ድማ በሊዖም ፀገቡ። ድሕሪዙይ ደቀ መዛሙርቱ ዓሰርተ ኽልተ ቝርስራስ ዝመልአ መሶብ ኣልዓሉ፤ ካብቲ ዓሳውን ኸምኡ።
Udforsk ማርቆስ 6:41-43
Hjem
Bibel
Læseplaner
Videoer