1
ዘፀኣት 6:6
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
Sammenlign
Udforsk ዘፀኣት 6:6
2
ዘፀኣት 6:7
ህዝበይ ክትኮኑ ኽወስደኩም እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ኣርዑት ግብፃውያን ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።
Udforsk ዘፀኣት 6:7
3
ዘፀኣት 6:8-9
ናብታ ኢደይ ኣልዒለ፥ ‘ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ክህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩላ ምድሪ ኸእትወኩም እየ፤ ርስቲ ኽትኮነኩም ከዓ ኽህበኩም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ድማ በሎ። ሙሴ ኸዓ፥ ንደቂ እስራኤል እዝ ዅሉ ነገሮም። ንሳቶም ግና ካብ ጭንቂ ህይወቶምን ካብ ክብደት ስራሕን ዝተልዓለ ኣይሰምዕዎን።
Udforsk ዘፀኣት 6:8-9
4
ዘፀኣት 6:1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ።
Udforsk ዘፀኣት 6:1
Hjem
Bibel
Læseplaner
Videoer