YouVersion 標識
搜索圖示

ዘፍጥረት መእተዊ

መእተዊ
ኦሪት ዘፍጥረት ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ዓለማትን ኣመፃፅኣ ደቂ ሰብን፥ ሰብ ብኸመይ ሓጢኣት ከም ዝጀመረን ሓጢኣት ዘስዓቦ ስቓይን፥ ከምኡውን እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ዘለዎ ርክብን ይገልፅ።
ኦሪት ዘፍጥረት ኣብ ክልተ ዓበይቲ ኽፍልታት ይምደብ፦
1. ካብ ምዕራፍ 1 ክሳዕ 11፥ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ዓለምን፥ ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ደቂ ሰብን ይገልፅ። ኣብዝ ክፍሊ እዙይ ታሪኽ ኣዳምን ሄዋንን፥ ቃየልን ኣቤልን፥ ኖህን ማይ ጥፍኣትን፥ ህንፃ ባቢሎንን ንረክብ።
2. ካብ ምዕራፍ 12 ክሳዕ 50፥ ኣብ ዘሎ ኽፍሊ ድማ ታሪኽ እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ህዝቢ እስራኤል ይርከብ። ካብዚኣቶም እቲ ቐዳማይ ኣብርሃም እዩ። ኣብርሃም ብእምነቱን ፍቓድ እግዚኣብሄር ብምፍፃሙን ዝተፈለጠ ነበረ። ኣስዒቡ ብዛዕባ ወዱ ይስሓቅን፥ ብዛዕባ ወዲ ወዱ ያእቆብን ብዛዕባ እቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቂ ያእቆብን ይገልፅ። እዞም ዓሰርተ ኽልተ ደቂ ያእቆብ፥ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ዝፈረዩ ኸም ዝኾኑ እቲ መፅሓፍ ይነግረና። ወዲ ያእቆብ ዮሴፍ ተሸይጡ ናብ ግብፂ ኸም ዝኸደን፥ ብድሕሪኡ ድማ ያእቆብ ምስ ስድራኡ ኸም ዝሰዓቦን ይገልፀልና።
እዝ መፅሓፍ እዙይ ብዛዕባ ደቂ ሰባት ዝገልፅ እኳ እንተ ኾነ፥ ልዕሊ ዅሉ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ዝፈፀሞ ግብርታት እዩ ዝነግረና። እግዚኣብሄር ሰማያትን ምድርን ከም ዝፈጠረን፥ ንህዝቡ ኸዓ ዅልሻዕ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ኸም ዝመልሶም ዝሃቦም ተስፋን ይገልፅ። ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ፥ ብዝበለፀ ብዛዕባ እቲ ንዝበደሉ ዝፈርድን ዝቐፅዕን ንህዝቡ ዝመርሕን እግዚኣብሄር ነንብብ። እዝ ጥንታዊ መፅሓፍ እዙይ ብዛዕባ እምነት ሓደ ህዝብን፥ እዝ እምነት እዙይ ድማ ህያው ኮይኑ ምእንቲ ኽነብርን ተፅሓፈ።
ትሕዝቶ
1. ኣፈጣጥራ ዓለምን ደቂ ሰብን 1፡1-2፡25
2. መጀመርታ ሓጢኣትን ስቓይን 3፡1-24
3. ካብ ኣዳም ክሳዕ ኖህ 4፡1-5፡32
4. ኖህን ናይ ጥፍኣት ማይን 6፡1-10፡32
5. ህንፃ ባቢሎን 11፡1-9
6. ካብ ሴም ክሳዕ ኣብራም 11፡10-32
7. ኣብርሃም፥ ይስሓቅ፥ ያእቆብ 12፡1-35፡29
8. ደቂ ኤሳው 36፡1-43
9. ዮሴፍን ኣሕዋቱን 37፡1-45፡28
10. እስራኤላውያን ኣብ ግብፂ 46፡1-50፡26

醒目顯示

分享

複製

None

想要在所有設備上保存你的醒目顯示嗎? 註冊或登入

YouVersion 使用 cookie 來個性化你的體驗。透過使用我們的網站,你即接受我們按照我們的 隱私政策所述來使用 cookie。