YouVersion 標識
搜索圖示

ዘፍጥረት 1

1
መጀመርታ ፍጥረት
1እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። 2ምድሪ እውን ጥራሓ ነበረት፤ ዝኾነ ነገርውን ኣይነበራን። ፀልማት ከዓ ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ነበረ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ።
3 # 2 ቆሮ. 4፡6። ሽዑ እግዚኣብሄር “ብርሃን ይኹን” በለ፤ ብርሃን ድማ ኾነ። 4እግዚኣብሄር ድማ እቲ ብርሃን ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። እግዚኣብሄር ከዓ ንብርሃንን ንፀልማትን ፈለዮም። 5እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ብርሃን “መዓልቲ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ፀልማት ከዓ “ለይቲ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ቀዳመይቲ መዓልቲ።
6 # 2 ጴጥ. 3፡5። እግዚኣብሄር “ንማያት ካብ ማያት ዝፈሊ ጠፈር፥ ኣብ መንጎ ማያት ይኹን” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 7እግዚኣብሄር ከዓ ጠፈር ገበረ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፤ ከምኡውን ኮነ። 8እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ጠፈር “ሰማይ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ካልአይቲ መዓልቲ።
9እግዚኣብሄር ድማ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፤ እቲ ንቑፅ መሬት ከዓ ይረአ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 10እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ንቑፅ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 11እግዚኣብሄር ድማ “እታ ምድሪ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ዘርኢ ዘለዎ ሳዕርን ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝፈሪ ኣእዋምን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 12እታ ምድሪ ኸዓ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዝህብ ሳዕርን፥ ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝህብ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ኣእዋምን ኣውፅአት። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 13ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሳልሰይቲ መዓልቲ።
14እግዚኣብሄር ድማ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዝፈልዩ ብርሃናት፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹኑ፤ ንምልክት ንዘመናትን ንመዓልቲታትን ንዓመታትን ከዓ መፍለዪ ይኹኑ። 15ኣብ ምድሪ ንምብራህ፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹኑ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 16እግዚኣብሄር ከዓ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፤ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ፥ እቲ ንእሽተይ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኽስልጥኑ፥ ከምኡውን ከዋኽብቲ ገበረ። 17-18ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኸብርሁ፥ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኽስልጥኑ፥ ንብርሃንውን ካብ ፀልማት ክፈልዩ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 19ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ራብዐይቲ መዓልቲ።
20እግዚኣብሄር ድማ “ማያት፥ ህይወት ዘለዎም እንስሳ ተውፅእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከዓ ኣዕዋፍ ይብረሩ” በለ። 21እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን፥ ነቶም ማያት ዘውፅኦም በብዓይነቱ ህይወት ዘለዎም ዝንቀሳቐሱ ዅሎምን፥ ክንፊ ዘለዎም በብዓይነቶም ኵሎም ኣዕዋፍን ፈጠረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 22እግዚኣብሄር ድማ “ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንማያት ባሕሪ እውን ምልእዎ፤ ንኣዕዋፍ ከዓ ኣብ ምድሪ ብዝሑ” ኢሉ ባረኾም። 23ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሓምሸይቲ መዓልቲ።
24እግዚኣብሄር ድማ “ምድሪ፥ ህይወት ዘለዎ በብዓይነቱ ፍጥረት፥ እንስሳን፥ በብወገኑ ዝንቀሳቐስን፥ ኣራዊትን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 25እግዚኣብሄር ከዓ ኣራዊት ምድሪ በብወገኑ፥ እንስሳ በብወገኑ፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስውን በብወገኑ ገበረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።
26 # 1 ቆሮ. 11፡7። እግዚኣብሄር ከዓ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን፥ ንዅላ ምድርን ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ይግዝኡ” በለ።
27 # ማቴ. 19፡4፥ ማር. 10፡6። እግዚኣብሄር ድማ ብመልክዑ ንሰብ ፈጠረ፤
ብመልክዕ እግዚኣብሄር ፈጠሮ፤
ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ድማ ፈጠሮም።
28 # ዘፍ. 5፡1-2። እግዚኣብሄር ከዓ “ብዝሑን ተባዝሑን፥ ንምድሪ ምልእዋን ምለኽዋን፥ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ንዝንቀሳቐስ ኵሉ እንስሳን ግዝኡ” ኢሉ ባረኾም። 29እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ሓመልማልን፥ ኣብ ውሽጡ ዝዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ናይ ዅሉ ኣእዋም ፍረን ሂበኩም ኣለኹ እሞ፥ ምግቢ ይኹንኩም። 30ንዅሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንዅሉ ኣራዊት ምድርን፥ ንዅሎም ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝበቍል ሓመልማል፥ ምግቢ ይኹነሎም” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 31እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ።

醒目顯示

分享

複製

None

想要在所有設備上保存你的醒目顯示嗎? 註冊或登入

YouVersion 使用 cookie 來個性化你的體驗。透過使用我們的網站,你即接受我們按照我們的 隱私政策所述來使用 cookie。