1
ዘፍጥረት 17:1
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተገለፀሉ። “ኣነ ኤልሻዳይ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፤ ፍፁም ከዓ ኹን።
موازنہ
تلاش ዘፍጥረት 17:1
2
ዘፍጥረት 17:5
ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ እየ እሞ፥ ደጊም ስምካ ‘ኣብርሃም’ ደኣ እምበር፥ ኣብራም ተብሂሉ ኣይፀዋዕ።
تلاش ዘፍጥረት 17:5
3
ዘፍጥረት 17:7
“ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፥ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ትውልዶም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥ እዙይ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።
تلاش ዘፍጥረት 17:7
4
ዘፍጥረት 17:4
“እንሆ፥ ኣነ ቓል ኪዳነይ ምሳኻ ኣቕውም ኣለኹ፤ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክትከውን ኢኻ።
تلاش ዘፍጥረት 17:4
5
ዘፍጥረት 17:19
እግዚኣብሄር ድማ “ኣይፋሉን፥ ሰበይትኻ ሳራ ወዲ ኽትወልደልካ እያ። ስሙ ድማ ‘ይስሓቅ’ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ። ኪዳነይ ከዓ ምስኡን ብድሕሪኡውን ምስ ዘርኡን ኪዳን ዘለኣለም ከቕውም እየ።
تلاش ዘፍጥረት 17:19
6
ዘፍጥረት 17:8
ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ።
تلاش ዘፍጥረት 17:8
7
ዘፍጥረት 17:17
ሽዑ ኣብርሃም ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደ። “ወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይወልድ እዩ? ሳራኸ ጓል ተስዓ ዓመት ኮይናዶ ኽትወልድ ትኽእል እያ?” እናበለ ብልቡ ሰሓቐ።
تلاش ዘፍጥረት 17:17
8
ዘፍጥረት 17:15
እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም “ንሰበይትኻ፥ ድሕሪ ደጊም ‘ሳራ’ እምበር ‘ሶራ’ ኢልካ ኣይትፀውዓያ።
تلاش ዘፍጥረት 17:15
9
ዘፍጥረት 17:11
ስጋ ቝልፈትኩም ግረዙ። እዙይ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ክኸውን እዩ።
تلاش ዘፍጥረት 17:11
10
ዘፍጥረት 17:21
ግና ምስቲ ሳራ ንዓመታ፥ ከምዛ ጊዜ እዚኣ እትወልደልካ ይስሓቅ፥ ኪዳነይ ከቕውም እየ” በሎ።
تلاش ዘፍጥረት 17:21
11
ዘፍጥረት 17:12-13
ኣባኻትኩም ሸሞንተ መዓልቲ ዝገበረ ዅሉ ወዲ ተባዕታይ፥ ኣብ ቤት ዝተወልደን፥ ካብ ዘርእኻ ዘይኮነ ወዲ ጓና ብገንዘብ ዝተዓደገን፥ ንውሉድ ወለዶ ይገረዝ። ኣብ ገዛኻ ዝተወልደን ብገንዘብካ ዝተዓደገን ግድን ይገረዝ። እዙይ ኣብ ስጋኹም ዝፍፀም ኪዳን ናይ ዘለኣለም ኪዳነይ ክኸውን እዩ።
تلاش ዘፍጥረት 17:12-13
صفحہ اول
بائبل
مطالعاتی منصوبہ
Videos