1
ዘፀኣት 2:24-25
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እግዚኣብሄርውን ኣውያቶም ሰምዐ። እግዚኣብሄር ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሓቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ቓል ኺዳን ዘከረ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ተመልከተ፤ ኩነታቶምውን ፈለጠ።
موازنہ
تلاش ዘፀኣት 2:24-25
2
ዘፀኣት 2:23
ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንጉስ ግብፂ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከዓ ባርነት መሪሩዎም በኸዩ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ጠርዑ። እቲ ብዛዕባ ባርነቶም ዝገበርዎ ኣውያት ድማ ናብ እግዚኣብሄር ዓረገ።
تلاش ዘፀኣት 2:23
3
ዘፀኣት 2:10
እቲ ህፃን ምስ ዓበየ ኸዓ ናብ ጓል ፈርዖን ኣምፅአቶ፤ ወዳ ድማ ኾነ። “ካብ ማይ ኣውፂአዮ እየ” እንትትብል ከዓ ሙሴ ዝብል ስም ኣውፅአትሉ።
تلاش ዘፀኣት 2:10
4
ዘፀኣት 2:9
እታ ጓል ፈርዖን ድማ “ነዝ ህፃን እዙይ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፤ ኣነ ኸዓ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ” በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ኣጥበወቶ።
تلاش ዘፀኣት 2:9
5
ዘፀኣት 2:5
ጓል ፈርዖን ከዓ ኽትሕፀብ ናብ ሩባ ወረደት፤ እተን ኣግራዳ ድማ፥ ወሰና ወሰን እቲ ፈለግ ይዛወራ ነበራ። እታ ጓል ፈርዖን ድማ ኣብ ማእኸል እቲ ሰልሰላ ሓደ ሳፁን ረአየት። ገረዳ ሰዲዳ ከዓ ኣምፅአቶ።
تلاش ዘፀኣት 2:5
6
ዘፀኣት 2:11-12
በቲ ወርሓት እቱይ፥ ሙሴ ምስ ዓበየ፥ ናብ ኣሕዋቱ ኸይዱ ነቲ ብርቱዕ ፃዕሮም ረአየ። ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ፥ ካብቶም ወገናቱ ንዝኾነ ሓደ ዕብራዊ፥ ክወቕዖ እንተሎ ረአየ። ናብዙይን ናብቱይን ግልፅ ኢሉ፥ ሰብ ከም ዘየለ ምስ ረአየ፥ ነቲ ግብፃዊ ቐተሎ፤ ኣብ ሑፃውን ደፈኖ።
تلاش ዘፀኣት 2:11-12
صفحہ اول
بائبل
مطالعاتی منصوبہ
Videos