1
1ይ ቆሮንቶስ 6:19-20
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ሰብነትኩም፥ ቤተ መቕደስ ናይቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልኩምዎ፥ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር ናይ ባዕልትኹም ኣይኮንኩምን። ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፤ ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ።
موازنہ
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 6:19-20
2
1ይ ቆሮንቶስ 6:9-10
ዓመፅቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኣይትጋገዩ፤ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣዖት፥ ዘመውቲ ወይ ግብሪ ሰዶም ዝገብሩ፥ ሰረቕቲ፥ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ሰካራማት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ከተርቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርስዋን እዮም።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 6:9-10
3
1ይ ቆሮንቶስ 6:18
ካብ ዝሙት ረሓቑ፤ ሰብ ዝገብሮ ዅሉ ሓጢኣት፥ ካብ ሰብነቱ ወፃኢ እዩ ዝገብሮ፤ ዝምንዝር ግና፥ ኣብ ናይ ባዕሉ ሰብነት እዩ ዝብድል።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 6:18
4
1ይ ቆሮንቶስ 6:12
ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፤ ግና ዅሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፤ ኣነ ግና፥ ናይ ሓደ ነገር እኳ፥ ግዙእ ክኸውን ኣይደልን እየ።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 6:12
5
1ይ ቆሮንቶስ 6:14
እግዚኣብሄር ድማ፥ ከምቲ ንጐይታና ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ንኣናውን ብሓይሉ ኸተስአና እዩ።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 6:14
صفحہ اول
بائبل
مطالعاتی منصوبہ
Videos