1
1ይ ቆሮንቶስ 12:7
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ግናኸ ምግላፅ መንፈስ ቅዱስ፥ ንጥቕሚ ብዙሓት፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይወሃቦ እዩ።
موازنہ
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 12:7
2
1ይ ቆሮንቶስ 12:27
እምበኣርከስ ንስኻትኩም፥ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ፥ ኣካላቱ ኢኹም።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 12:27
3
1ይ ቆሮንቶስ 12:26
ሓደ ኣካል እንተ ተሳቐየ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ። ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 12:26
4
1ይ ቆሮንቶስ 12:8-10
ንሓደ ብመንፈስ፥ ቃል ጥበብ ይወሃቦ፤ ነቲ ሓደ ኸዓ፥ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ቃል ፍልጠት ይወሃቦ። ንሓደ በቲ ሓደ መንፈስ፥ እምነት፤ ንሓደ ድማ በቲ መንፈስ እቱይ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ይወሃቦ። ንሓደ ተኣምራት ምግባር፥ ነቲ ሓደ ድማ ትንቢት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደውን መናፍስቲ ምልላይ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ምዝራብ፥ ነቲ ሓደ ድማ ቛንቋታት ናይ ምትርጓም ውህብቶ ይወሃቦ።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 12:8-10
5
1ይ ቆሮንቶስ 12:11
ነዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝፈቐዶ፥ ንነፍሲ ወከፍ ዝተፈላለየ ውህብቶ ይዕድሎ።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 12:11
6
1ይ ቆሮንቶስ 12:24-25
እቲ ኽቡር ኣካልና ግና እዙይ ኣየድልዮን እዩ። ግና እቲ ኣካላት፥ ንስንሳቱ ኽፃወር እምበር፥ ኣብቲ ሰብነት ምፍልላይ ምእንቲ ኸይኸውንስ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል፥ ዝበዝሕ ክብሪ እናሃበ፥ ነቲ ሰብነት ኣጋጠሞ።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 12:24-25
7
1ይ ቆሮንቶስ 12:4-6
እምበኣርከስ ዝተፈላለየ ውህብቶ ኣሎ፤ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ። ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ኣሎ፤ ጐይታ ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ። ዝተፈላለየ ተግባር ኣሎ፤ እቲ ኣብ ኵላቶም ኵሉ ዝገብር እግዚኣብሄር ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 12:4-6
8
1ይ ቆሮንቶስ 12:28
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን፥ ብመጀመርታ ሃዋርያት፥ ካልኣይ ነቢያት፥ ሳልሳይ መምህራን ሸመ፤ ደሓር ተኣምራት ዝገብሩ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ዘለዎም፥ ዝሕግዙ፥ ዘመሓድሩ፥ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡ፥ ሰርዐ።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 12:28
9
1ይ ቆሮንቶስ 12:14
እቲ ሰብነት ከዓ ብብዙሕ እምበር፥ ብሓደ ኣካል ዝተሰርሐ ኣይኮነን።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 12:14
10
1ይ ቆሮንቶስ 12:22
እኳ ደኣ እቶም ድኹማት ዝመስሉ ኣካላት ሰብነት እዮም፥ የመና ዘድልዩ።
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 12:22
11
1ይ ቆሮንቶስ 12:17-19
ብዘሎ እቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዝኸውን ደኣ፥ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ? እቲ ሰብነት ኵለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዝኸውንከ፥ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ? ሕዚ ግና ኣምላኽ፥ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣካላት፥ ኣብቲ ሰብነት ሰርዖ። ኵሉ ሓደ ኣካል እንተ ዝኸውን፥ ሰብነት ኣበይ ምተረኽበ?
تلاش 1ይ ቆሮንቶስ 12:17-19
صفحہ اول
بائبل
مطالعاتی منصوبہ
Videos