Mufananidzo weYouVersion
Mucherechedzo Wekutsvaka

ዘካርያስ 3

3
ዘካርያስ ብምስሊ ሊቀ ካህናት ዝረአዮ ራእይ
1 # እዝራ 5፡2፥ ራእይ 12፡10። ንሱውን ነቲ ዓብዪ ኻህን ኢያሱ፥ ኣብ ቅድሚ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቆይሙ ኣርኣየኒ፤ ሰይጣንውን ክኸሶ ብየማኑ ደው ኢሉ ነበረ። 2#ይሁዳ 9። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ሰይጣን “ኣታ ሰይጣን፥ እግዚኣብሄር ይገስፅካ፤ እቲ ንኢየሩሳሌም ዝሓረያ እግዚኣብሄር ይገስፅካ፤ እዝ ሰብ እዙይ ካብ ሓዊ ኸም ዝተመንጠለ ትንታግዶ ኣይኮነን?” በሎ።
3ኢያሱ ኸዓ ረሳሕ ክዳውንቲ ተኸዲኑ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ። 4ንሱውን ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ “ነቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ኻብኡ ኣወግድዎ” በሎም። ንኢያሱ ድማ “ንእኡውን እንሆ፥ በደልካ ኣርሒቐልካ ኣለኹ፤ ዝበለፀ ኽዳውንቲ እውን ክኸድነካ እየ” በሎ።
5መሊሱ ድማ “ኣብ ርእሱ ፅሩይ መጠምጠሚያ ጠምጥሙሉ” በሎም። ንሳቶም ድማ ንኢያሱ ፅሩይ መጠምጠሚያ ጠምጠሙሉ፤ ክዳውንቲውን ከደንዎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ጥቓኡ ቖይሙ ነበረ።
6እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ንኢያሱ ኸምዙይ ኢሉ ኣሰምዐሉ፦ 7“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብመንገደይ እንተ ኼድካ፥ ትእዛዛተይውን እንተ ሓሊኻ፥ ኣብ ቤተይ ክትፈርድ ኢኻ፤ ንኣደባባየይውን ክትሕሉ ኢኻ፤ ኣብዙይ ኣብ ማእኸል እዞም ቆይሞም ዘለዉ፥ ቦታ ኽህበካ እየ። 8#ኤር. 23፡5፥ 33፡15፥ ዘካ. 6፡12። እምበኣርከስ፥ ኣታ ዓብዪ ካህን ኢያሱ፥ ስማዕ፤ እቶም ኣብ ቅድሜኻ ዝቕመጡ ብፆትካውን፥ ንሳቶም ንምልክት ዝኾኑ ሰባት እዮም እሞ ይስምዑ፤ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ቈጥቋጥ ከውፅእ እየ። 9ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ዘንበርክዎ እምኒ እንሆ፤ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ሸውዓተ ኣዒንቲ ኣለዉዎ፤ እንሆ ነቲ ቅርፁ ኽቐርፅ እየ፤ ዓይኒ ኣለዎ፤ ሓንቲ እምኒ ኣብ ልዕሊኡውን ቅርፁ ኽቐርፅ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ንበደል እታ ምድሪ ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ኸወግዶ እየ። 10በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑ ኾይኑ ንብፃዩ ኽዕድም እዩ።”

Zvasarudzwa nguva ino

ዘካርያስ 3: ትመ15

Sarudza vhesi

Pakurirana nevamwe

Sarudza zvinyorwa izvi

None

Unoda kuti zviratidziro zvako zvichengetedzwe pamidziyo yako yose? Nyoresa kana kuti pinda