ኤፌሶን መእተዊ
መእተዊ
ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝፀሓፎ መልእኽቲ ኸም ዝብሎ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር “እቲ ምልኣት ዘመናት ምስ በፅሐ፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ፥ ምእንቲ ኽጥቕለል እዩ” (1፡10)። ከምኡውን ነዝ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ሓድነት ደቂ ኣዳም፥ እዝ ዕላማዙይ ዓብዪ ምስጢር ምዃኑ ተረዲኦም፥ ብእኡ ኽነብሩ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ዝምዕድ እዩ።
ኣብ መጀመርታ፥ እቲ ፀሓፊ ነቲ ብዛዕባ ሓድነት ዝጀመሮ ርእሲ ብምስፋሕ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንህዝቡ ኸመይ ከም ዝመረፆን፥ ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዝረኸበን፥ ሓራ ኸም ዝወፀን፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ዓብዪ ናይ ተስፋ ቓል ከዓ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ፥ ውሕስነት ከም ዝረኸበን ይዝርዝር። ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ድማ እቶም ኣንበብቲ፥ እቲ ብክርስቶስ ዝረኸብዎ ሓድነት፥ ኣብቲ ብማሕበር ዝነብርዎ ኣነባብራ ምእንቲ ኽገልፅዎ፥ ሓደራ ይብሎም።
ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ምስ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዎም፥ ንስንሳቶምውን ሕብረት ከም ዘለዎም፥ ብብዙሕ ምሳሌያዊ ኣዘራርባ ተገሊፁ ንረኽቦ። ቤተ ክርስቲያን ከም ሓደ ኣካል እያ፤ ክርስቶስ ከዓ ርእሳ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ከም ህንፃ እያ፤ ክርስቶስ እምኒ መኣዝን እዩ። ቤተ ክርስቲያን ብመርዓት ኽትምሰል እንተላ፥ ክርስቶስ ከዓ ብመርዓዊ ተመሲሉ ንረኽቦ። ሃዋርያ ጳውሎስ፥ ነቲ ብክርስቶስ ዝተረኽበ ፀጋ እግዚኣብሄር ክሓስብ እንተሎ፥ ብመንፈሱ የመና ይለዓዓል እሞ፥ እታ መልእኽቱ እምብዛ ልዑል ዝኾነ ኣገላልፃ ሒዛ ትቐርብ። ንዅሉ ነገር ዝሪኦ ድማ፥ በቲ ብክርስቶስ ዝተገልፀ ፍቕርን መስዋእትን ሕድገት ሓጢኣትን ፀጋን ንፅህናን ኣቢሉ እዩ።
ትሕዝቶ
1. መእተዊ 1፡1-2
2. ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያንን 1፡3-3፡21
3. ብክርስቶስ ዝተረኽበ ሓድሽ ህይወት 4፡1-6፡20
4. መደምደምታ 6፡21-24
Zvasarudzwa nguva ino
ኤፌሶን መእተዊ: ትመ15
Sarudza vhesi
Pakurirana nevamwe
Sarudza zvinyorwa izvi
Unoda kuti zviratidziro zvako zvichengetedzwe pamidziyo yako yose? Nyoresa kana kuti pinda