Mufananidzo weYouVersion
Mucherechedzo Wekutsvaka

ቈላስይስ 4

4
1ኣቱም ጐይቶት፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘለኩም ፈሊጥኩም፥ ንመገልገልትኹም ቕኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።
2 # ሮሜ 12፡12። ፀሎት ኣዘውትሩ፤ ኣብ ፀሎትኩም ከዓ፥ ንቑሓትን መመስገንትን ኩኑ። 3ነቲ ምእንታኡ ተኣሲረ ዘለኹ፥ ምስጢር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ንቓሉ ኣፍ ደገ ክኸፍተልና፥ ምእንታና ፀልዩ። 4#1 ቆሮ. 16፡9፥ ኤፌ. 6፡19-20። ኣነውን ከምቲ ዝግብአኒ ገይረ፥ ነቲ ቓል ምእንቲ ብግልፂ ኽናገር ፀልዩለይ። 5#1 ቆሮ. 10፡32፥ ኤፌ. 5፡15-16። ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብግቡእ እናተጠቐምኩም፥ ምስቶም ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። 6#ማር. 9፡50፥ ኤፌ. 4፡29፥ 1 ጴጥ. 3፡15። ንነፍሲ ወከፍ፥ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣዘራርባኻትኩም፥ ብጨው ከም ዝተቐመመ፥ ኵልሻዕ ብፀጋ ዝመልአ ይኹን።
ናይ መወዳእታ ሰላምታ
7ቲኪቆስ፥ እቲ ፍቑር ሓውናን፥ እሙን ኣገልጋልን፥ ብጐይታ መሳርሕተይን፥ ከመይ ከም ዘለኹ ኸፍልጠኩም እዩ። 8#ኤፌ. 6፡21-22። ናባኻትኩም ዝሰዶ ዘለኹ፥ ብዛዕባ ሃለዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን፥ ልብኹም ምእንቲ ኸፀናንዕን ኢለ እየ። 9#ፊል. 10። ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝኾነ፥ እሙንን ፍቑርን ሓውና ኣናሲሞስ እሰደልኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም፥ እቲ ዅሉ ኣብዙይ ዝኾነ ኽነግሩኹም እዮም።
10 # ግ.ሓ. 15፡37፥ 19፡29። እቲ መተኣስርተይ ዝኾነ ኣርስጥሮስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፤ ማርቆስ ወዲ ሓዉ ንበርናባስውን፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። እዙይ እቲ “እንተ መፀኩም፥ ብፅቡቕ ተቐበልዎ” ኢለ ኣዚዘኩም ዝነበርኩ ሰብ እዩ። 11ኢዮስጦስ ዝተብሃለ ኢያሱ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ግሩዛት ካብ ዝኾኑ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ምሳይ ዘገልግሉ፥ ንኣይውን ዘፀናንዑኒ ዘለዉ ኣይሁድ፥ እዚኣቶም ጥራሕ እዮም። 12#ማቴ. 5፡48፥ ሮሜ 15፡30፥ ቈላ. 1፡7። እቲ ሓደ ኻባኻትኩም፥ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝኾነ ኤጳፍራስ፥ ሰላምታ የቕርበልኩም ኣሎ፤ ምሉኣትን ብዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ተረዲእኹም፥ ፍፁማት ኴንኹም ምእንቲ ኽትቆሙን፥ ተጊሁ ብፀሎት ይጋደል ኣሎ። 13ንሱ ምእንታኻትኩምን፥ ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያን ኣብ ኢያራጶሊስ ዘለዉን፥ ብዙሕ ፃዕሪ ኸም ዘለዎ እምስክረሉ ኣለኹ። 14#2 ጢሞ. 4፡10-11። ሉቃስ እቲ ፍቑር ሓኪምን ዴማስን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
15ነቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን፥ ንኒምፋስን፥ ነታ ኣብ ገዛኡ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን፥ ሰላም በሉለይ። 16ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያ ኸም እትንበብ ግበሩ፤ ንስኻትኩምውን፥ ነታ ኻብ ሎዶቅያ እትመፅእ መልእኽቲ ኣንብብዋ።
17 # ግ.ሓ. 20፡28፥ ፊል. 2። ንኣክሪጳ ድማ “ነታ ብጐይታ ዝተቐበልካያ ኣገልግሎት፥ ከም እትፍፅማ” በልዎ።
18 # 1 ቆሮ. 16፡21። እዝ ሰላምታ እዙይ፥ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። መቓውሐይ ዘክሩ። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

Zvasarudzwa nguva ino

ቈላስይስ 4: ትመ15

Sarudza vhesi

Pakurirana nevamwe

Sarudza zvinyorwa izvi

None

Unoda kuti zviratidziro zvako zvichengetedzwe pamidziyo yako yose? Nyoresa kana kuti pinda