Mufananidzo weYouVersion
Mucherechedzo Wekutsvaka

2ይ ተሰሎንቄ 2

2
ኣመፃፅኣ ናይ ዓመፅ ሰብ
1ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ብዛዕባ ምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብዛዕባ እቲ ናብኡ ምእካብናን፥ እንነግረኩም እዙይ እዩ፦ 2#ማቴ. 24፡4-6፥ 2 ተሰ. 3፡17፥ 1 ዮሓ. 4፡1። ብመንፈስ ወይ ብቓል፥ ወይ ካባና ኸም ዝተፅሓፈት መልእኽቲ ብምምሳል፥ “ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ በፂሓ እያ” ኢልኩም፥ ቀልጢፍኩም ኣይትደንግፁን ኣይትተሃወኹን። 3ኣቐዲሙ ኽሕደት እንተይመፀ፥ እቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ዝኾነ፥ ናይ ጥፍኣት ሰብ እንተይተገልፀ፥ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኣይትመፅእን እያ እሞ፥ ሓደኳ ብዝኾነ መንገዲ ኣየስሕትኩም። 4#ኢሳ. 14፡13-14፥ ማቴ. 24፡10፥12፥23-24፥ 1 ጢሞ. 4፡1፥ 1 ዮሓ. 2፡18። “ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ኢሉ ብምእዋጅ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝቕመጥ፥ ኣምላኽ ካብ ዝተብሃለ ዅሉ፥ ሰባት ካብ ዘምልኽዎ ዅሉ፥ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል ተቓዋሚ፥ ንሱ እዩ። 5ኣነ ገና ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ነዙይ ከም ዝነገርኩኹምከ፥ ኣይትዝክርዎን ዲኹም? 6ንሱ ኣብቲ ዝተወሰነሉ እዋን ምእንቲ ኽግለፅ፥ እቲ ሕዚ ዝኽልክሎ እንታይ ምዃኑ፥ ትፈልጥዎ ኢኹም። 7#1 ዮሓ. 4፡3። እቲ ናይ ዓመፅ ምስጢር፥ ድሮ እኳ ይሰርሕ ኣሎ፤ እንተ ኾነ እቲ ኸልኪልዎ ዘሎ፥ ንሱ ኻብ መንገዱ ኽሳዕ ዘግልስ፥ ኣይግለፅን እዩ። 8#ኢሳ. 11፡4። ድሕሪዙይ፥ ናይ ዓመፅ ሰብ ክግለፅ እዩ፤ ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ትንፋስ፥ ከጥፍኦ እዩ። ብግርማ ምፅኣቱውን ክድምስሶ እዩ። 9#ማቴ. 24፡24፥ 2 ቆሮ. 4፡3-4። ናይቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ምምፃእ፥ በቲ ዅሉ ሰይጣን ዝሰርሖ፥ ብሓይልን፥ መስሓቲ ምልክትን፥ ዘደንቕ ነገራትን፥ ብምግባር ክኸውን እዩ። 10ከምኡውን ነቶም ዝጠፍኡ ዘስሕተሉ፥ ኵሉ ተንኰልን ክፍኣትን ኣለዎ። እቶም ዝጠፍኡ ኸዓ፥ ነቲ ኸድሕኖም ዝኽእል ሓቂ፥ ፈትዮም ስለ ዘይተቐበሉ እዩ። 11ስለዙይውን ንሓሰት ምእንቲ ኽኣምኑ፥ እግዚኣብሄር ዘስሕት መንፈስ ይሰደሎም። 12#ኢሳ. 6፡10፥ ሮሜ 1፡18፥28፥32። እዙይ ከዓ ዅሎም እቶም ንሓቂ ዘይኣምኑ፥ ብኽፉእ ግና ዝሕጐሱ ዅሎም፥ ምእንቲ ኽፍረዱ እዩ።
ንድሕነት ዝተሓረዩ
13 # ኤፌ. 1፡4፥ 1 ተሰ. 1፡2፥4፥ 1 ጴጥ. 1፡2። ኣቱም ጐይታ ዘፍቅረኩም ኣሕዋትና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስኩምን፥ #2፡13 ኣብ ግእዝ “እቲ ርእሲ ህይወት ዝኾነ እግዚኣብሄር” ዝብል ይርከብ። ነቲ ሓቂ ኣሚንኩምን፥ ምእንቲ ኽትድሕኑ፥ ካብ መጀመርታ ስለ ዝሓረየኩም፥ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ክነመስግኖ፥ ግቡእና እዩ። 14#ዮሓ. 17፡22፥ ሮሜ 8፡30፥ 1 ተሰ. 2፡12፥ 1 ጴጥ. 5፡10። ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽትኮኑ ኢሉ፥ በቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌሉ ፀውዐኩም። 15#1 ቆሮ. 11፡2። እምበኣር፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ፀኒዕኹም ቁሙ፤ ነቲ ብቓል ኮነ ብመልእኽትና ዝመሃርናኩም፥ ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።
16 # 1 ጴጥ. 1፡3። ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥ 17ንልብኹም የፀናንዕ፤ ብሰናይ ግብርን ቃልን ከዓ የበርትዕኹም።

Sarudza vhesi

Pakurirana nevamwe

Sarudza zvinyorwa izvi

None

Unoda kuti zviratidziro zvako zvichengetedzwe pamidziyo yako yose? Nyoresa kana kuti pinda