Mufananidzo weYouVersion
Mucherechedzo Wekutsvaka

1ይ ተሰሎንቄ መእተዊ

መእተዊ
ተሰሎንቄ፥ መቄዶንያ ናይ ዝተብሃለ ግዝኣት ሮም፥ ዓባይ ከተማ ነበረት። ጳውሎስ፥ ንፊልጵስዩስ ሓዲጉዋ ምስ ከደ፥ ኣብ ተሰሎንቄ ቤተ ክርስቲያን መስረተ። እንተ ኾነ እምነት ኣይሁድ ንምቕባል ድልዋት ዝነበሩ ኣረማውያን፥ ጳውሎስ ብዝሰበኾ ትምህርቲ ክርስቲያን ተስሒቦም ስለ ዝነበሩ፥ ኣይሁድ ቀኒኦም ተቓውሞ ኣልዒሎምሉ ነበሩ።
ስለዙይ ከዓ ንተሰሎንቄ ሓዲጉ፥ ናብ ቤርያ ክኸይድ ግዲ ኾኖ። ብድሕሪዙይ ቁሩብ ፀኒሑ፥ ኣብ ቆሮንቶስ ምስ በፅሐ፥ እቲ ብፃዩን ሓጋዚኡን ዝኾነ ጢሞቴዎስ፥ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ ዝርዝር ኵነታት ፀሓፈሉ፤ ስለዙይ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝፀሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቱ፥ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስቲያን ንምትብባዕን ንምፅንናዕን ነበረ። ብዛዕባ እምነቶምን ፍቕሮምን ብምስማዑ ድማ ኣመስገኖም። ምስኣቶም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፥ ከመይ ዝበለ ህይወት ከም ዝነበሮ ኣዘኻኸሮም። ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ዳግም ምፅኣት ክርስቶስ ንዝተልዓለ ጥያቐታት ከዓ መልሲ ሃቦም። “ቅድሚ ዳግም ምፅኣት ክርስቶስ ዝሞተ ኣማኒ፥ ብምፅኣት ክርስቶስ ዝርከብ ዘለኣለማዊ ህይወት ተኻፋሊዶ ክኸውን ይኽእል እዩ? ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፅእኸ መኣዝ እዩ?” ዝብል ጥያቐታት ተልዒሉ ነበረ። በዝ ምኽንያትዙይ ጳውሎስ “ናይ ክርስቶስ ዳግም ምፅኣት ብተስፋ እናተፀበኹም፥ ክሳዕ ሽዑ ብህድኣት ስራሕኹም ስርሑ” እናበለ መኸሮም።
ትሕዝቶ
1. መእተዊ 1፡1
2. ሞሳን ምስጋናን 1፡2-3፡13
3. ንባህርይ ክርስቲያን ዝጠቅም ምዕዳን 4፡1-12
4. ትምህርቲ ብዛዕባ ዳግም ምፅኣት ክርስቶስ 4፡13-5፡11
5. ናይ መወዳእታ ምዕዳን 5፡12-22
6. መደምደምታ 5፡23-28

Sarudza vhesi

Pakurirana nevamwe

Sarudza zvinyorwa izvi

None

Unoda kuti zviratidziro zvako zvichengetedzwe pamidziyo yako yose? Nyoresa kana kuti pinda