1ይ ተሰሎንቄ 4
4
ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ህይወት
1ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ካባና ተምሂርኩም ኢኹም። ድሮ እኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕዚ ኸዓ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትነብርዎ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዐኩምን ኣለና። 2ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እንታይ ዓይነት ትእዛዝ ኸም ዝሃብናኩም ትፈልጡ ኢኹም። 3#1 ቆሮ. 6፡13፥ 1 ጴጥ. 1፡15። ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ዝሙት ክትርሕቑን እዩ እሞ። 4ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ሰብነቱ #4፡4 ሰብነቱ፦ ገሊኡ ትርጉም “ንሰበይቱ” ይብል። ብቕድስናን ብኽብርን ዓቂብካ ምንባር ይፍለጥ። 5#ሮሜ 1፡24፥ 1 ቆሮ. 6፡19፥ ኤፌ. 4፡17። ከምቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጡ ኣህዛብ ድማ፥ ብፍትወት ስጋ ኣይትሸነፉ። 6ሓደኳ በዝ ነገር እዙይ ጥሒሱ፥ ንሓዉ ኣይበድሎን ኣይበለፀሉን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘጠንቀቕናኩምን፥ ከምዙይ ንዝገብሩ፥ እግዚኣብሄር ፈዳዪ ሕነ እዩ እሞ። 7#ዘሌ. 11፡41፥ 19፡11፥ ኤፌ. 1፡4፥ 5፡5-6። እግዚኣብሄር ንቕድስና እምበር፥ ንርኽሰት ኣይፀውዐናን። 8#ሉቃ. 10፡16። እምበኣር እቲ ነዙይ ዝንዕቕ፥ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝንዕቕ ዘሎ።
9 #
ዮሓ. 6፡45፥ 13፡34፥ 14፡26፥ 1 ዮሓ. 4፡21። ብዛዕባ ፍቕሪ ኣሕዋት ግና፥ ንስንሳትኩም ምፍቓር፥ ካብ እግዚኣብሄር ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፥ ሓደኳ ኽፅሕፈልኩም ኣየድልን። 10ብርግፅ ኣብ ኵላ መቄዶንያ ንዘለዉ ኣሕዋት ትፈትዉ ኢኹም፤ ግና ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዙይ ብዝበለፀ ኽትገብርዎ ንምዕደኩም ኣለና። 11-12#2 ቆሮ. 8፡21፥ 2 ተሰ. 3፡11-12። ኣብ ናብራኹም፥ ካብ ሰብ ምእንቲ ኸይትደልዩ፥ እቶም ካብ እምነት ወፃኢ ዘለዉ ኸዓ፥ ምእንቲ ከኽብሩኹም፥ ከምቲ ዝኣዘዝናኩም ብህድኣት ክትነብሩን፥ ኣብ ናይ ባዕልትኹም ጉዳይ ክተተኵሩን፥ ብኢድኩም ክትሰርሑን፥ ንምዕደኩም ኣለና።
ምፅኣት ጐይታ
13ግና፥ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት፥ ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፥ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። 14#ሮሜ 8፡11፥ 1 ቆሮ. 6፡14፥ ቈላ. 3፡4። ኢየሱስ ከም ዝሞተ፥ ካብ ሞትውን ከም ዝተስአ፥ እንተ ደኣ ንኣምን ኴንና፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፥ ብኢየሱስ ኣተሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ። 15#ማር. 13፡26-27፥ 1 ቆሮ. 15፡51-52። ንሕና ኽሳዕ ምፅኣት ጐይታ፥ ብህይወት እንፀንሕ ኸዓ፥ ነቶም ዝደቀሱ ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፥ ብቓል ጐይታ ንነግረኩም ኣለና። 16#ማቴ. 24፡31፥ 1 ቆሮ. 15፡23። ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን፥ ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን፥ ብመለኸት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም። 17#ዮሓ. 14፡3። ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። 18ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።
Zvasarudzwa nguva ino
1ይ ተሰሎንቄ 4: ትመ15
Sarudza vhesi
Pakurirana nevamwe
Sarudza zvinyorwa izvi
Unoda kuti zviratidziro zvako zvichengetedzwe pamidziyo yako yose? Nyoresa kana kuti pinda

: