1
ማቴዎስ 27:46
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ብታሽዐይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኢየሱስ “ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ?” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ እዙይ ከዓ “ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ?” ማለት እዩ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ማቴዎስ 27:51-52
እንሆ ኸዓ መጋረጃ ቤተ መቕደስ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተቐደደ፤ ምድሪ ተናወፀት፤ ኣኻውሕ ድማ ተጨደዱ። መቓብራትውን ተኸፈቱ፤ ሞይቶም ዝነበሩ ናይ ብዙሓት ቅዱሳን ሬሳታት ድማ፥ ካብ ሞት ተስኡ።
3
ማቴዎስ 27:50
ኢየሱስ ደጊሙ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ ነፍሱ ድማ ወፀት።
4
ማቴዎስ 27:54
እቲ ሓለቓ ሚእትን፥ እቶም ንኢየሱስ ክሕልዉ ምስኡ ዝነበሩን ከዓ፥ ነቲ ምንዋፅ ምድርን ነቲ ዝኾነ ነገራትን ሪኦም፥ “እዙይስ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ” እናበሉ የመና ፈርሑ።
5
ማቴዎስ 27:45
እንሆ ኻብ ሽዱሽተ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ትሽዓተ ሰዓት፥ ኵሉ ምድሪ ፀልመተ።
6
ማቴዎስ 27:22-23
ጲላጦስ ከዓ “ነዝ ክርስቶስ ዝተብሃለ ኢየሱስከ እንታይ ክገብሮ?” በሎም። ኵሎም ድማ “ይሰቐል!” በሉ። ጲላጦስ “ንሱ እንታይ ክፉእ ገበረ?” በሎም። ንሳቶም ግና “ይሰቐል!” እናበሉ ኣበርቲዖም ድምፂ ኣስምዑ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo