1
ማቴዎስ 18:19-20
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸዓ ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ኣለኹ እሞ፥ ክልተ ወይ ሰለስተ ኻባኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ብዝልምንዎ ዅሉ ነገር እንተ ተሰማሚዖም፥ በቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክግበረሎም እዩ ኢለ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
3
ማቴዎስ 18:2-3
ኢየሱስ ድማ ንሓደ ህፃን ናብኡ ፀዊዑ፥ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ እሞ፥ ከምዙይ በለ፦ “እንተ ዘይተመሊስኩም፥ ከምዝ ህፃን እዙይውን እንተ ዘይኴንኩም ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
4
ማቴዎስ 18:4
እቲ ኸምዝ ህፃን እዙይ ንባዕሉ ዘትሕት፥ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ካብ ኵሉ ዝዓቢ።
5
ማቴዎስ 18:5
እቲ ንኸምዙይ ዝበለ ህፃን ብስመይ ዝቕበል ንኣይ ይቕበል።
6
ማቴዎስ 18:18
“ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ፥ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኹምዎ ድማ፥ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ።
7
ማቴዎስ 18:35
“እምበኣር ንስኻትኩምውን ነፍሲ ወከፍኩም፥ ንሓዉ ኻብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይሓዲጉሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኽገብረኩም እዩ።”
8
ማቴዎስ 18:6
እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ዘስሕት ድማ፥ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ እንተ ዝጠልቕ ምሐሾ።
9
ማቴዎስ 18:12
እንታይ ይመስለኩም? ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክደሊዶ ኣይኸይድን?
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo