1
ማቴዎስ 13:23
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቲ ኣብ ፅቡቕ መሬት ዝተዘርአ ግና፥ እቲ ነዝ ቓል ሰሚዑ ዘስተውዕል እዩ፤ ንሱውን ፍረ ይፈሪ፤ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡውን ሰላሳ ይህብ እዩ።”
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ማቴዎስ 13:22
እቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ኸዓ፥ ነቲ ቓል ዝሰምዖ እዩ። ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ሓሳብን ምትላል ሃብትን ድማ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ እንተይፈረየውን ይተርፍ።
3
ማቴዎስ 13:19
ዅሉ ቓል መንግስተ ሰማያት ሰሚዑ ዘየስተውዕሎ፥ እቲ እኩይ መፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርአ ቓል ይምንጥሎ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዙይ እዩ።
4
ማቴዎስ 13:20-21
እቲ ኣብ ኰዅሒ ዝተዘርአ ግና፥ ነቲ ቓል ሰሚዑ ሽዑ ብሓጐስ ዝቕበሎ ሰብ እዩ። እንተ ኾነ ሱር ስለ ዘይብሉ ንጊዜኡ እዩ እምበር፥ ስለ እቲ ቓል ስደት ወይ መከራ ምስ ኮነ፥ ሽዑ ንሽዑ ይኽሕድ።
5
ማቴዎስ 13:44
“መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ግራት ዝተሓብአ ሃብቲ እሞ፥ ሓደ ሰብ ምስ ረኸቦ ዝሓብኦ፥ ካብ ታሕጓሱ ዝተልዓለ ኸዓ፥ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፥ ነታ ግራት ዝዕድግ ትመስል።
6
ማቴዎስ 13:8
ገሊኡ ግና ኣብ ፅቡቕ መሬት ወደቐ፤ ገሊኡ ሚእቲ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ሰላሳ ድማ ፈረየ።
7
ማቴዎስ 13:30
ክሳዕ ቐውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም፤ ብእዋን ቀውዒ ነቶም ዓፃዶ፥ ቅድም ነቲ ኽርዳድ በቁስዎ፤ ክነድድ ድማ በብእንዳእቲ እሰርዎ፤ ነቲ ስርናይ ግና፥ ኣብ ቆፎይ ኣእትውዎ’ ኽብሎም እየ” በሎም።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo