1
ሉቃስ 13:24
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ንሱ ድማ፥ “በታ ፀባብ ኣፍ ደገ፥ ንምእታው ፀዓሩ፤ ክኣትዉ ዝደልዩ ብዙሓት እዮም፤ ግና ኣይኽእሉን እብለኩም ኣለኹ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ሉቃስ 13:11-12
እንሆ፥ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ርኹስ መንፈስ ዘድከማ ሰበይቲ ነበረት፤ ስለ ዝጐበጠትውን ፈፂማ ኽትቀንዕ ኣይትኽእልን ነበረት። ኢየሱስ ምስ ረአያ ፀዊዑ “ኣቲ ሰበይቲ! ኻብ ሕማምኪ ተፈቲሕኺ ኢኺ” በላ።
3
ሉቃስ 13:13
ኢዱውን ኣንበረላ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ቐንዐት፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገነት።
4
ሉቃስ 13:30
እንሆ ድማ ቐዳሞት ዳሕረዎት፥ ዳሕረዎት ከዓ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም” በሎም።
5
ሉቃስ 13:25
በዓል ገዛ ተሲኡ ማዕፆኡ ምስ ሸጐረ፥ ሽዑ ኣብ ወፃኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ‘ጐይታ፥ ጐይታ፥ ክፈተልና’ እናበልኩምውን ማዕፆ ኽትኵሕዅሑ ኢኹም። ንሱ ኸዓ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኢሉ ኽምልሰልኩም እዩ።
6
ሉቃስ 13:5
ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩም ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም” በሎም።
7
ሉቃስ 13:27
ንሱ ኸዓ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ፤ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኽብል እዩ።
8
ሉቃስ 13:18-19
ድሕሪዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ትመስል? ብምንታይከ ኽምስላ እየ? ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ፥ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ዓበየት፤ ዓባይ ኦምውን ኮነት፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ፥ ኣብ ጨናፍራ ሰፈረን ሰርሓ።”
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo