1
ዮሃንስ 19:30
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኢየሱስ ከዓ ነቲ መፂፅ ምስ ጠዓመ፥ “ተፈፀመ!” በለ፤ ርእሱ ኣድነነ፤ ነፍሱውን ሃበ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ዮሃንስ 19:28
ድሕሪዙይ ኢየሱስ፥ ኵሉ ኸም ዝተፈፀመ ፈሊጡ፥ እቲ ቓል መፅሓፍ ምእንቲ ኽፍፀም “ፀማእኹ” በለ።
3
ዮሃንስ 19:26-27
ኢየሱስ፥ ንኖኡን ነቲ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙሩን፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ምስ ረአዮም፥ ንኖኡ፥ “ኣቲ ሰበይቲ፥ እኒሆ ወድኺ” በላ። ነቲ ደቀ መዝሙር ከዓ “እኒሃትልካ እኖኻ!” በሎ። እቲ ደቀ መዝሙርውን፥ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ገዛኡ ወሰዳ።
4
ዮሃንስ 19:33-34
ናብ ኢየሱስ ምስ መፁ ግና፥ ድሮ ኸም ዝሞተ ሪኦም፥ ምሕዅልቱ ኣይሰበርዎን። ሓደ ኻብቶም ወታደራት ግና፥ ብዅናት ጐድኑ ወግኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደምን ማይን ወፀ።
5
ዮሃንስ 19:36-37
እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ “ካብኡ ሓደ ዓፅሚ እኳ ኣይስበርን እዩ” ዝብል ፅሑፍ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ። ካልእ ፅሑፍውን “እቶም ዝወግእዎ ኽሪእዎ እዮም” ዝብል ኣሎ።
6
ዮሃንስ 19:17
መስቀሉ ፆይሩ ናብቲ “ሓምሓም ርእሲ” ብዕብራይስጢ ድማ፥ “ጎልጎታ” ናብ ዝበሃል ስፍራ ወፀ።
7
ዮሃንስ 19:2
እቶም ወታደራት ከዓ፥ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም፥ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። ቀይሕ ኽዳንውን ከደንዎ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo