1
ዘፍጥረት 41:16
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን “እዙይ ካባይ ኣይኮነን፤ እግዚኣብሄር ንፈርዖን ብሰናይ ክምልሰሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ዘፍጥረት 41:38
ፈርዖን ከዓ ንሹመኛታቱ፦ “ከምዙይ ዝበለ መንፈስ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብዶ ኽንረክብ ኢና?” በሎም።
3
ዘፍጥረት 41:39-40
ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ገሊፁልካ እዩሞ፥ ከማኻ ዝበለ መስተውዓልን ፈላጥን ሰብ የለን። ስለዙይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስተይ ሸይመካ ኣለኹ። ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፤ ኣነ ብዙፋነይ ጥራሕ እየ ኻባኻ ዝዓቢ” በሎ።
4
ዘፍጥረት 41:52
ነቲ ኻልኣይ ድማ፥ “እግዚኣብሄር መከራ ኣብ ዝተቐበልኩላ ምድሪ ኣፍረየኒ ኢሉ ኤፍሬም” በሎ።
5
ዘፍጥረት 41:51
ዮሴፍ ድማ፥ “ኣምላኽ፥ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ከም ዝርስዕ ገይሩኒ እዩ” እንትብል፥ ንበዅሪ ወዱ “ምናሴ” ኢሉ ሰመዮ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo