1
ቈላስይስ 2:6-7
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እምበኣር ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ተቐበልኩምዎ፥ ብእኡ ንበሩ፤ ኣብኡ ተመስሪትኩምን ተሃኒፅኩምን፥ ከምቲ ዝተምሃርኩምዎ ብእምነት ፅንዑ፤ ምስጋናውን ይብዝሐልኩም።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
ቈላስይስ 2:8
ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ከም ባህሊ ሰብን፥ ከም ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን፥ ከንቱን መታለልን ዝኾነ ፍልስፍና ገይሩ፥ ሓደኳ ኸይማርኸኩም ተጠንቀቑ።
3
ቈላስይስ 2:13-14
እግዚኣብሄር ንኵሉ ሓጢኣትኩም ይቕረ ብምባል፥ ንኣኻትኩምውን ብበደልኩም በቲ ዘይተገረዘ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ሞይትኩም ንዝነበርኩም፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረኩም። ነቲ ዝኸሰናን ዝቃወመናን ዝነበረ፥ ኣብ ሕጊ ዘሎ ናይ ዕዳ ፅሑፍ ደምሰሰልና፤ ኣብ መስቀል ሸንኪሩውን ኣወገዶ።
4
ቈላስይስ 2:9-10
ናይ መለኮት ፍፁም ምልኣት፥ ብሰብነት ሓዲሩ ዝነብር፥ ብክርስቶስ እዩሞ። ንስኻትኩም ከዓ፥ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ስልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ፥ ብእኡ ምሉኣት ኴንኩም ኢኹም።
5
ቈላስይስ 2:16-17
ስለዙይ ብብልዕን መስተን፥ ብምብዓል በዓላትን፥ ባሕትን፥ ሰናብትን ዝመፀ፥ ሓደኳ ኣይፍረድኩም። እዝ ዅሉ፥ ናይቲ ኽመፅእ ዘለዎ ፅላሎት እዩ እሞ፤ እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና፥ ክርስቶስ እዩ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo