1
1ይ ቆሮንቶስ 6:19-20
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ሰብነትኩም፥ ቤተ መቕደስ ናይቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልኩምዎ፥ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር ናይ ባዕልትኹም ኣይኮንኩምን። ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም፤ ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ።
Yenzanisa
Ongorora {{vhesi}}
2
1ይ ቆሮንቶስ 6:9-10
ዓመፅቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኣይትጋገዩ፤ ኣመንዝራታት ወይ መምለኽቲ ጣዖት፥ ዘመውቲ ወይ ግብሪ ሰዶም ዝገብሩ፥ ሰረቕቲ፥ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ሰካራማት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ከተርቲ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይወርስዋን እዮም።
3
1ይ ቆሮንቶስ 6:18
ካብ ዝሙት ረሓቑ፤ ሰብ ዝገብሮ ዅሉ ሓጢኣት፥ ካብ ሰብነቱ ወፃኢ እዩ ዝገብሮ፤ ዝምንዝር ግና፥ ኣብ ናይ ባዕሉ ሰብነት እዩ ዝብድል።
4
1ይ ቆሮንቶስ 6:12
ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፤ ግና ዅሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፤ ኣነ ግና፥ ናይ ሓደ ነገር እኳ፥ ግዙእ ክኸውን ኣይደልን እየ።
5
1ይ ቆሮንቶስ 6:14
እግዚኣብሄር ድማ፥ ከምቲ ንጐይታና ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ንኣናውን ብሓይሉ ኸተስአና እዩ።
Pekutangira
Bhaibheri
Zvirongwa
Mavideo