1
ሉቃስ 3:21-22
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኵሉ እቲ ህዝቢ ምስ ተጠመቐ፥ ኢየሱስውን ተጠመቐ፤ ክፅሊ እንተሎ፥ ሰማይ ተኸፍተ። መንፈስ ቅዱስውን፥ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ድማ ካብ ሰማይ መፀ።
සසඳන්න
ሉቃስ 3:21-22 ගවේෂණය කරන්න
2
ሉቃስ 3:16
ዮሃንስ ከዓ “ኣነ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘለኹ፤ እቲ ኻባይ ዝብርትዕን፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕን ግና፥ ይመፅእ ኣሎ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን፥ ከጥምቐኩም እዩ።
ሉቃስ 3:16 ගවේෂණය කරන්න
3
ሉቃስ 3:8
እምበኣርከስ ንንስሃ ዝበቅዕ ፍረ ኣፍርዩ እምበር፥ ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል ኣይትዘሃሩ፤ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ኸም ዝኽእል እነግረኩም ኣለኹ።
ሉቃስ 3:8 ගවේෂණය කරන්න
4
ሉቃስ 3:9
እንሆ ማሕፀ ኣብ ሱር ኣእዋም ተቐሪቡ ኣሎሞ፥ ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ክቝረፅ እዩ፤ ናብ ሓዊውን ክድርበ እዩ” ይብሎም ነበረ።
ሉቃስ 3:9 ගවේෂණය කරන්න
5
ሉቃስ 3:4-6
እዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ፦ “ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ጐደና እግዚኣብሄር ኣመዓራርዩ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ፤ ኵሉ ጕድጓድ ይምላእ፤ ኵሉ እምባን ኰረብታን ትሕት ይበል፤ ኵሉ ጥውይዋይ ዝኾነ ይቕናዕ፤ ድንጉር ይተኻኸል፤ ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ምድሓን እግዚኣብሄር ይርአ፤” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥
ሉቃስ 3:4-6 ගවේෂණය කරන්න
නිවස
බයිබලය
සැලසුම්
වීඩියෝ