1
ገላትያ 2:20
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።
Compare
ገላትያ 2:20ਪੜਚੋਲ ਕਰੋ
2
ገላትያ 2:21
ኣነስ ንፀጋ እግዚኣብሄር ኣየቃልልን፤ ፅድቂ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ እንተ ኾይኑ፥ እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።
ገላትያ 2:21ਪੜਚੋਲ ਕਰੋ
3
ገላትያ 2:15-16
ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና፤ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብውን ኣይኮንናን። ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ከም ዘይፀድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንፀድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ሰብ የለንሞ።
ገላትያ 2:15-16ਪੜਚੋਲ ਕਰੋ
Home
ਬਾਈਬਲ
Plans
ਵੀਡੀਓ