1
ዘፀኣት 8:18-19
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ቃርማ ኸውፅኡ ፈተኑ፤ ግና ኣይከኣሉን፤ እቲ ቃርማውን ንሰብን ንኸፍትን ወረሮ። እቶም ኣስማተኛታት ድማ ንፈርዖን “እዙይስ ኣፃብዕቲ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ፤ ልቢ ፈርዖን ግና ተረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎውን ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
Compare
ዘፀኣት 8:18-19ਪੜਚੋਲ ਕਰੋ
2
ዘፀኣት 8:1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ ፈርዖን ኬድካ ‘ከገልግሉኒ ንህዝበይ ስደዶም።
ዘፀኣት 8:1ਪੜਚੋਲ ਕਰੋ
3
ዘፀኣት 8:15
ፈርዖን ግና እቲ መዓት ከም ዝሃድአ ምስ ረአየ፥ ልቡ ኣትረረ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ንሙሴን ንኣሮንን ኣይሰምዖምን።
ዘፀኣት 8:15ਪੜਚੋਲ ਕਰੋ
4
ዘፀኣት 8:2
እንተ ዘይሰዲድካዮም ግና፥ እንሆ ኣነ ንዅላ ሃገርካ ብመቕሰፍቲ ጭንቍራዕ ክወቕዓ እየ።
ዘፀኣት 8:2ਪੜਚੋਲ ਕਰੋ
5
ዘፀኣት 8:16
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ንኣሮን፥ ‘በትርኻ ዘርግሕ፤ ነቲ ሓመድ ምድሪ ውቕዓዮ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ድማ ቓርማ ክኸውን እዩ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
ዘፀኣት 8:16ਪੜਚੋਲ ਕਰੋ
6
ዘፀኣት 8:24
እግዚኣብሄር ድማ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ናብ ቤት ፈርዖንን ናብ ቤት ኣገልገልቱን ኣብ ኵሉ ሃገር ግብፂ፥ ብዙሕ ዕስለ ፅንፅያ ወረረ። እታ ምድሪ ድማ ብፅንፅያ ተበላሸወት።
ዘፀኣት 8:24ਪੜਚੋਲ ਕਰੋ
Home
ਬਾਈਬਲ
Plans
ਵੀਡੀਓ