YouVersion လိုဂို
ရွာရန္ အိုင္ကြန္

ዘፀኣት 35:30-31

ዘፀኣት 35:30-31 ትመ15

ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ረአዩ፥ እግዚኣብሄር ንባስልኤል ወዲ ኡሪ፥ ወዲ ሁር፥ ካብ ነገድ ይሁዳ ሓረዮ። ንእኡ ድማ ብመንፈሱ መልኦ፤ ኵሉ ስራሕ ምእንቲ ኽኽእል ከዓ፥ ጥበብን ፍልጠትን ክእለትን ሃቦ።