ኣብድዩ 1

1
እግዚኣብሄር ንህዝቢ ኤዶምያስ ክቐፅዖ እዩ
1ኣብድዩ ዝረኣዮ ራእይ። ጐይታ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦
ካብ እግዚኣብሄር ወረ ሰሚዕና ኢና፤
እቲ ልኡኽውን ናብ ኣህዛብ ተልኢኹ፥
“ተስኡ፥ ኣብ ልዕሊኣ ብሰልፊ ንለዓል፥ ኢሉ እዩ።”
2“እንሆ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣንኣስኩኻ፤
ንስኻ ፈፂምካ ተንዒቕካ ኢኻ።
3ኣታ ኣብ ዝነቕዐ ኰዅሒ እትነብር፥
መንበሪኻ ድማ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ዝገበርካ፥
ብልብኻውን ‘ናብ ምድሪ ኸውርደኒ ዝኽእል መን እዩ?’ እትብል ንስኻ፥
ትዕቢት ልብኻ ኣታሊሉካ እዩ።
4ከም ንስሪ ተወንጪፍካ ንላዕሊ እንተ ደየብካ፥
ቤትካውን ኣብ ማእኸል ከዋኽብቲ እንተ ኾነ፥
ካብኡ ኸውርደካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
5ሰረቕቲ ናባኻ እንተ መፁ፥
ወይ ከተርቲ ብለይቲ እንተ መፁኻ፥
ዝኣኽሎም ዝሰርቁዶ ኣይኮኑን?
ወይኒ ዝቘርፁ ናባኻ እንተ መፁ ቐሪምዶ ኣየትርፉን?
ንስኻ ግና ኸመይ ኢልካ ጠፋእኻ!
6ኤሳው ከመይ ተመርመረ!
ዝተሓብአ ነገር ከመይ ተደለየ!
7ኵሎም ቃል ኪዳን ዝኣተዉልካ ሰባት ክሳዕ ወሰን ሰጐጉኻ፤
ኵሎም እቶም እትኣምኖም ሰባት እውን ኣታለሉኻ፤
ኣእምሮ የብሉን ኢሎም ኣሰነፉኻ፤
እቶም እንጀራኻ ዝበልዑ እውን፥ ኣብ ትሕቴኻ መፈንጠር ዘርግሑልካ፤
ንሳቶምውን ምስትውዓል የብሎምን።
8“በታ መዓልቲ እቲኣ ጥበበኛታት ካብ ኤዶምያስ፥
መስተውዓልቲውን ካብ እምባታት ኤሳውዶ ኣየጥፍእን?
ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
9ኣታ ቴማን፥ ኵሎም ሰባት ካብ እምባ ኤሳው፥ ተቐቲሎም ምእንቲ ኽጠፍኡ፥
ጀጋኑኻ ኽርዕዱ እዮም።”
ምኽንያት መቕፃዕቲ ኤዶምያስ
10ኣብ ልዕሊ ሓውካ ያእቆብ ስለ ዝተገብረ ግፍዒ፥ ሓፍረት ክትጕልበብ ኢኻ፤
ንዘለኣለምውን ክትጠፍእ ኢኻ።
11በታ ኣንፃር ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፥
በታ ጓኖት ንጭፍራ ማሪኾም ዝወሰዱላ መዓልቲ፥
ኣህዛብ ንጭፍራኡ ብዝማረኹላ፥
ኣጋይሽውን ብበሪ ዝኣተውሉ፥
ኣብ ኢየሩሳሌም ዕፃ ብዝተዋደቑሉ መዓልቲ፥
ንስኻውን ካብኣቶም ከም ሓደ ነበርካ።
12ግና ብመዓልቲ መከራ ንሓውካ ኽትምልከት፥
ብመዓልቲ ጥፍኣቶም ድማ፥
ኣብ ልዕሊ ደቂ ይሁዳ ኽትሕጐስ፥
ብመዓልቲ ጭንቂ እውን፥
ብትዕቢት ክትዛረብ ኣይግበአካን ነይሩ።
13በቲ ጥፍኣት ዝወረዶም መዓልቲ ብበሪ ህዝበይ ምእታው፥
ብመዓልቲ ጭንቀቶምውን ጥፍኣቶም ክትምልከት፥
ብመዓልቲ ጥፍኣቶም ኢድካ ዘርጊሕኻ፥
ሃብቶም ክትዘምት ኣይምተገበአካን ነይሩ።
14 # ኢሳ. 34፡5-17፥ 63፡1-6፥ ኤር. 49፡7-22፥ ኣሞፅ 1፡11-12፥ ሚል. 1፡2-5። ነቶም ዘምልጡ ዝነበሩ ኽትቀትል ኢልካ፥
ኣብ ቀራና መንገዲ ምፅባይ፥
በታ መዓልቲ ጭንቆም ከዓ፥
ነቶም ዝተረፉ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ ኽትህብ፥
ኣይምተገብአካን ነይሩ።
እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ክፈርዶም እዩ
15“መዓልቲ እግዚኣብሄር፥
ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ቀሪባ እያ እሞ፥
ከምቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ኸምኡ ኽግበረካ እዩ፤
ፍዳኻውን ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ኽምለስ እዩ።
16ከምቲ ንስኻትኩም ኣብ ቅዱስ እምባይ ዝሰተኹም፥
ከምኡ ዅሎም ኣህዛብ እንተየቋረፁ ክሰትዩ እዮም፤
እወ፥ ክሰትዩ እዮም፤ ኣብዚሖምውን ክጭልጥዎ እዮም፤
ከም ዘይነበሩ ኸዓ ክኾኑ እዮም።”
ዓወት እስራኤል
17“ግና ኣብ ልዕሊ እምባ ፅዮን ዘምልጡ ኽህልዉ እዮም፤
ንሱውን ቅዱስ ክኸውን እዩ፤
ቤት ያእቆብ ድማ ርስቶም ክወርሱ እዮም።
18እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥
ቤት ያእቆብ ሓዊ፥ ቤት ዮሴፍ ከዓ ነበልባል፥
ቤት ኤሳው ድማ ሓሰር ክኾኑ እዮም፤
ንኣኣቶም ከዓ ኸንድድዎምን ከጥፍእዎምን እዮም፤
ካብ ቤት ኤሳው፥ ሓደ እኳ ተረፍ ኣይህሉን እዩ።”
19“ሰባት ደቡብ ንእምባ ኤሳው፥
ሰባት እቲ ቖላ ድማ፥ ንምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክወርሱ እዮም፤
ንሳቶም ንምድሪ ኤፍሬምን ንሰማርያውን ክሕዙ እዮም፤
ብንያምውን ንገለዓድ ክወርስ እዩ።
20እዙይውን ደቂ እስራኤል ምርኮ ጭፍራኦም፥
ኵሉ ስፍራ ከነዓን ክሳዕ ሰራጵታ ኽወርስ እዩ፤
ኣብ ስፋራድም ዝነበሩ ምሩኻት ኢየሩሳሌም፥
ንኸተማታት ደቡብ ክወርስወን እዮም።
21ኣብ ልዕሊ እምባ ኤሳው ክፈርዱ፥ እቶም ዘድሕኑ
ናብ እምባ ፅዮን ክድይቡ እዮም፤
መንግስቲ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ክኸውን እዩ።”

നിലവിൽ തിരഞ്ഞെടുത്തിരിക്കുന്നു:

ኣብድዩ 1: ትመ15

ഹൈലൈറ്റ് ചെയ്യുക

പങ്ക് വെക്കു

പകർത്തുക

None

നിങ്ങളുടെ എല്ലാ ഉപകരണങ്ങളിലും ഹൈലൈറ്റുകൾ സംരക്ഷിക്കാൻ ആഗ്രഹിക്കുന്നുണ്ടോ? സൈൻ അപ്പ് ചെയ്യുക അല്ലെങ്കിൽ സൈൻ ഇൻ ചെയ്യുക