ናሆም 3
3
ወይለኺ ነነዌ
1ነታ ናይ ደም ከተማ ወይለኣ!
ሓሰትን ዘመተን ዝመልአት፥
ከትሪውን ካብኣ ኣይርሕቕን።
2ድምፂ ሓለንግን፥ ድምፂ እቲ ድዋዕዋዕ ዝብል መንኰራዅርን፥
ምግላብ ኣፍራስን ድምፂ ዝጐያ ሰረገላታትን ይስማዕ ኣሎ።
3ፈረሰኛ ይጋልብ፤ ሰይፊ ሃልሃል ይብል፤
ኲናትውን ማሕማሕ ይብል፤
ዝሞተ ብዙሕ እዩ፤
ቍፅሪ ዘይብሉ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ተዀመረ፤
ማእለያውን የብሉን፤ ብሬሳኣቶም ከዓ ይዕንቀፉ።
4እዙይ ዝኾነ ቅጥዒ ብዝሰኣነ ፅባቐ፥
መጋገዪትን ጠንቋሊትን ዘማዊትን ብምዃና እዩ፤
ንሳ ብዘማዊነታ ንኣህዛብ፥
ብጥንቁልናኣ ድማ ንወገናት ዝሸጠት እያ።
5ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
እንሆ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተልዒለ እየ፤
ንዘፈር ክዳንኪ ኣብ ልዕሊ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ፤
ንኣህዛብ ዕርቃንኪ፥ ንመንግስታት ከዓ ሕፍረትኪ ኸርእዮም እየ።
6ርኽሰት ኣብ ልዕሌኺ ኽድርቢ እየ፤
ክንዕቐኪ እየ፤ መላገፂውን ክገብረኪ እየ።
7ዝሪኡኺ ዅላቶም ካባኺ ኽሃድሙ፥
“ነነዌ ባደመት፤ መን ክበኽየላ እዩ?
ዘፀናንዕዋኸ ኻበይ ክንደልየላ ኢና” ኽብሉ እዮም።
8ንስኺ ኻብታ ኣብ መንጎ ሩባታት ዝተቐመጠት፥ ማይ ኣብ ዙርያኣ ኻብ ዝነበረ፥ መከባብያኣ ኸዓ ባሕሪ ኻብ ዝኾነ ኻብ ኖእ ኣሞንዶ #3፡8 ኖእ ኣሞንዶ፦ ኣብ ገሊኣቶም ትርጕማት “ቴብስ” ዝብል ይርከብ። ትበልፂ ኢኺ? 9ኢትዮጵያን ግብፅን ዘይቍፀራ ሓይላ ነበራ፤ ፉጥን ሊብያንውን ሓገዝታ ነበራ። 10ግናኸ ንሳ ተማሪኻ ፈለሰት፤ ህፃናታ ድማ ኣብ ኵሉ መንገድታት ተጨፍለቑ። ኣብ ልዕሊ ኽቡራት ሰባታ ዕፃ ኣውደቑሎም፤ ኵሎም ዓበይታውን ብሰንሰለት ተኣሰሩ።
11ንስኺ ድማ ኽትሰኽሪ ኢኺ፤ ክትዋረዲ ኢኺ፤ ክትሕብኢ ድማ ኢኺ፤ ካብ ፀላኢ እትሃድምሉ ዕሩድ ቦታውን ኽትደልዪ ኢኺ። 12ኵሉ ዕርድታትኪ፥ ከም በዅሪ ፍረ ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፤ ነቲ ኦም ነነው እንተ ኣበልካዮ፥ ኣብ ኣፍ እቲ በላዒ ይረግፍ። 13እንሆ፥ እቶም ኣብ ማእኸልኪ ዘለዉ ህዝብኺ ኣንስቲ ኮኑ። እተን ደገታት ሃገርኪ፥ ንፀላእትኺ ኽፉታት እየን፤ ነቲ መሀርሀሪታት ኣፍ ደገታትኪ ሓዊ በልዖ።
14ክትክበቢ ኢኺ እሞ፥ ማይ ቅድሒ፤ ዕርድኺ ኣፅንዒ፤ ናብ ጭቃ ኣቲኺ ርገፂ፤ ጡብ ክትሰርሒ ተዳለዊ። 15ኣብኡ ሓዊ ኽበልዐኪ፥ ሰይፊ እውን ከጥፍአኪ እዩ። ከም ኵብኵብታ ኽበልዐኪ እዩ። ከም ኩብኵብታ ብዝሒ፥ ከም ኣንበጣውን ፍረዪ። 16ንነጋዶኺ ኻብ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕኽዮም። ኵብኩብታ ፋሕ ይብል፤ በሪሩውን ይኸይድ። 17እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዘውዲ ዝደፍኡ ኸም ኣንበጣ፥ እቶም ኣሕሉቕኪ ድማ፥ ከምቲ ብመዓልቲ ቝሪ ኣብ ሓፁር ዝሰፍር ዕስለ ዅብኩብታ እዮም። ፀሓይ ምስ በረቐት ይሃድሙ፤ ኣበይ ከም ዘለዉ ድማ ኣይፍለጥን እዩ።
18ኦ ንጉስ ኣሶር፥ ሓለውትኻ ደቂሶም እዮም፤ መኳንንትኻውን ዓሪፎም እዮም፤ ህዝብኻውን ኣብ እምባታት ፋሕ በሉ፤ ዝእክቦም ድማ የለን። 19ስለዙይ ስብራትካ ፈውሲ የብሉን፤ ቍስልኻውን ዝኸፍአ እዩ። ኵሎም እቶም ወረኻ ዝሰምዑ፥ ብሓጐስ ኣእዳዎም የጣቕዑ፤ ኵልሻዕ ክፍኣትካ ዘይበፅሖ መን ኣሎ?
നിലവിൽ തിരഞ്ഞെടുത്തിരിക്കുന്നു:
ናሆም 3: ትመ15
ഹൈലൈറ്റ് ചെയ്യുക
പങ്ക് വെക്കു
പകർത്തുക

നിങ്ങളുടെ എല്ലാ ഉപകരണങ്ങളിലും ഹൈലൈറ്റുകൾ സംരക്ഷിക്കാൻ ആഗ്രഹിക്കുന്നുണ്ടോ? സൈൻ അപ്പ് ചെയ്യുക അല്ലെങ്കിൽ സൈൻ ഇൻ ചെയ്യുക

: