ሚክያስ መእተዊ
መእተዊ
ነቢይ ሚክያስ ብዘመን ኢሳይያስ ዝነበረ፥ ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ዓዲ ናይ ይሁዳ ዝተወልደ ነበረ። ከምቲ ኣሞፅ ነታ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ጥፍኣት ከም ዝወርዳ ዝተነበየላ፥ ከምኡውን ሚክያስ መንግስቲ ይሁዳ ኣብ ጥፍኣት ከም እትወድቕ፥ ነቶም ህዝቢ ድማ በቲ ዘርእይዎ ሕማቕ ኣመልን ምጕዳል ፍትሕን፥ እግዚኣብሄር ከም ዝቐፅዖም ኣጠንቀቖም። ዝኾነ ኾይኑ፥ ኣብ ትንቢት ሚክያስ ንዝመፅእ ጊዜ ዝኸውን ምልክታት ተስፋ ንረክብ።
ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ክነስተብህለሉ ዝግባእ ክፍልታት፦ ኣብ ትሕቲ ስልጣን እግዚኣብሄር፥ ዓለም ብምልእታ ሰላም ከም እትረክብ (4፡1-4) ካብ ዘርኢ ዳዊት ሓደ ዓብዪ ንጉስ ከም ዝትስእ፥ ንህዝቡ ኸዓ ሰላም ከም ዘምፅእ (5፡2-5) ከምኡውን፥ ኵሉ እቲ ነቢያት እስራኤል ዝበልዎ ኣብ ሓንቲ ጥቕሲ ተጠርኒፉ ይርከብ። ንሳ ኸዓ “ኣይፋሉን፥ እግዚኣብሄር ኵሉ ሰናይ ዝኾነ ኣፍሊጡና ኣሎ። እወ፥ ቅንዕና ኽንገብር፥ ምሕረት ከዓ ኽንፈቱ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽውን ብትሕትና ኽንነብር እንተ ዘይኮይኑ ኻባና ዝደልዮ ሓንቲ እኳ የለን” እትብል እያ። (6፡8)
ትሕዝቶ
1. ፍርዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ይሁዳን 1፡1-3፡12
2. ምምላስ ህዝቢ እስራኤልን ሰላምን 4፡1-5፡15
3. መጠንቀቕታን ተስፋን 6፡1-7፡20
നിലവിൽ തിരഞ്ഞെടുത്തിരിക്കുന്നു:
ሚክያስ መእተዊ: ትመ15
ഹൈലൈറ്റ് ചെയ്യുക
പങ്ക് വെക്കു
പകർത്തുക

നിങ്ങളുടെ എല്ലാ ഉപകരണങ്ങളിലും ഹൈലൈറ്റുകൾ സംരക്ഷിക്കാൻ ആഗ്രഹിക്കുന്നുണ്ടോ? സൈൻ അപ്പ് ചെയ്യുക അല്ലെങ്കിൽ സൈൻ ഇൻ ചെയ്യുക