ሚክያስ 7

7
ክፍኣት ህዝቢ እስራኤል
1ፍረ ኦምን ፍረ ወይንን ምስተኣረዩ፥ ከም ዝተረፈ ቐሪም ኮይነ ኣለኹሞ ወይለይ! ንምግቢ ዝኸውን፥ ነፍሰይውን ዝተመነየቶ፥ ኣቐዲሙ ዝበሰለ በለስውን የለን። 2ሕያዋይ ሰብ ካብ ምድሪ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ማእኸል ሰባትውን ቕኑዕ የለን። ኵላቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ንሓዉ ብመርበብ ንምሓዝ ይከታተሎ። 3ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽገብሩዎስ፥ ኣእዳዎም ንኽፍኣት የልዕሉ፤ ገዛኢ ጉቦ ይደሊ፤ ፈራዲ ድማ ጉቦ ይቕበል። ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፤ ከምኡውን ብሓባር ክፍኣት ይጕንጕን። 4እቲ ኻብኣቶም ዝሐሸ ዝተብሃለ፥ ንሱ ኸም ኣሜክላ እዩ፤ እቲ የመና ዝቐንዐ ኸዓ፥ ከም ኳዂቶ እዩ።
እታ መዓልቲ ሓለውትኻ፥ እታ መዓልቲ መዓትካ መፂኣ እያ፤ ሕዚ ኽሽበሩ እዮም።
5ንብፃይካ ኣይትእመኖ፥ ብዓርክኻ ድማ ኣይትተኣመን፤ ካብ ኣብ ሕቍፍኻ እትድቅስ ናይ ኣፍካ ደገ ሓሉ። 6#ማቴ. 10፡35-36፥ ሉቃ. 12፡53። ንሰብ ፀላእቱ ቤተሰቡ እዮምሞ፥ ወዲ ነቦኡ ኽንዕቕ እዩ፤ ጓል ኣብ ልዕሊ እኖኣ፥ መርዓት ከዓ ኣብ ልዕሊ ሓማታ ኽትለዓል እያ።
7ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፥ ናብ ኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር ኣለኹ፤ ኣምላኸይውን ክሰምዐኒ እዩ።
ምድሓን ካብ እግዚኣብሄር እዩ
8ኣቲ ፀላኢተይ፥ እንተ ወደቕኩ ኽትስእ፥ ኣብ ፀልማት እንተ ተቐመጥኩውን እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፥ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ። 9ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፥ ንሱ ኽሳዕ ዝማጐተለይ፥ ፍትሒውን ክሳዕ ዘውፅአለይ፥ ንቝጥዓኡ ኽዕገስ እየ። ናብ ብርሃን ከውፅአኒ እዩ፤ ፅድቁውን ክርኢ እየ። 10ሽዑ እታ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” ዝበለት ፀላኢተይ ክትሪኦን፥ ሕፍረትውን ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ክሪኣኣ እየን፤ ሕዚ ኸም ጭቃ መንገዲ ኽትርገፅ እያ።
11እታ መካበቢያኺ እትስርሐላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ በታ መዓልቲ እቲኣውን ወሰንኪ ኽሰፍሕ እዩ። 12በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ከተማታት ግብፅን፥ ካብ ግብፂ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስን፥ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ካብ እምባታት ክሳዕ እምባታት፥ ናባኺ ኽመፁ እዮም። 13እታ ምድሪ ግና ብሰንኪ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ብሰንኪ ፍረ ግብሮም ክትባድም እያ።
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከም ዝርህርሀሎም
14ኣብ ማእኸል ዱር ቀርሜሎስ፥ ንበይናቶም ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብኻ፥ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓስዮም። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን፥ ኣብ ባሳንን ኣብ ገለዓድን ጓስዮም።
15ከምቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፃእኻለን ዘመን፥ ተኣምራት ከርእዮም እየ። 16ኣህዛብ ክሪኡ፥ ብኹሉ ሓይሎምውን ክሓፍሩ እዮም፤ ኢዶም ኣብ ኣፎም ክገብሩ እዮም። ኣእዛኖምውን ክፀሙ እዮም። 17ከም ተመን ሓመድ ክልሕሱ፥ ከም ለመምታ ምድሪ እናኣንቀጥቀጡ ኻብ ቤቶም ክወፁ፥ ብፍርሒ ራዕራዕ እናበሉ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽመፁ እዮም፤ ንኣኻውን ክፈርሑ እዮም።
18ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን። 19ተመሊሱ ኽርህርሀልና፥ ንበደልናውን ኣብ ትሕቲ እግሩ ኽረግፆ፥ ንዅሉ ሓጢኣትናውን ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽድርብዮ እዩ። 20ከምቲ ኻብ ጥንቲ ዘመን ጀሚርካ፥ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፥ ሓቂ ንያእቆብ፥ ምሕረት ከዓ ንኣብርሃም ክትገብር ኢኻ።

നിലവിൽ തിരഞ്ഞെടുത്തിരിക്കുന്നു:

ሚክያስ 7: ትመ15

ഹൈലൈറ്റ് ചെയ്യുക

പങ്ക് വെക്കു

പകർത്തുക

None

നിങ്ങളുടെ എല്ലാ ഉപകരണങ്ങളിലും ഹൈലൈറ്റുകൾ സംരക്ഷിക്കാൻ ആഗ്രഹിക്കുന്നുണ്ടോ? സൈൻ അപ്പ് ചെയ്യുക അല്ലെങ്കിൽ സൈൻ ഇൻ ചെയ്യുക