ዮናስ 1
1
ዮናስ ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ ከም ዝኣበየ
1-2ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ ወዲ ኣማቴ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብታ ዓባይ ከተማ ናብ ነነዌ ኺድ፤ ክፍኣታ ኣብ ቅድመይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኣ ስበኽ።” #2 ነገ. 14፡25።
3ዮናስ ግና ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ክሃድም ናብ ተርሴስ #1፡3 ተርሴስ፦ እቲ ሕዚ “እስፔይን” ዝበሃል እዩ። ተልዓለ፤ ናብ ኢዮጴ ኸዓ ወረደ፤ ናብ ተርሴስ እትሓልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሃድም፥ ምስኣቶም ናብ ተርሴስ ክኸይድውን፥ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።
4እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ንፋስ ሰደደ፤ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፥ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኮነ። 5እቶም መርከበኛታት ድማ ፈርሑ፤ ነፍሲ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። ክብደት እታ መርከቦም ምእንቲ ክቐለሎም ከዓ፥ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ኣቑሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕተዋይ ክፍሊ እታ መርከብ ወሪዱ፥ ከቢድ ድቃስ ደቂሱ ነበረ። 6እቲ ሓለቓ መርከብ ከዓ ናብኡ ቐሪቡ “ንምንታይ ትድቅስ? ተስእ፤ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከይንጠፍእ እንተ ዘከረና፥ ስም ኣምላኽካ ፀውዕ” በሎ።
7ንስንሳቶም ድማ “እዝ መከራ እዙይ ብሰንኪ መን ከም ዝረኸበና ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ንዑ ዕፃ ነውድቕ” ተበሃሃሉ። ሽዑ ዕፃ ኣውደቑ፤ እታ ዕፃ ኸዓ ኣብ ዮናስ ወፀት። 8ንሳቶም ከዓ “በይዛኻ ንገረና፤ እዝ ረኺቡና ዘሎ መከራስ ብሰንኪ መን እዩ? ስራሕኻ እንታይ እዩ? ካበይከ ኢኻ መፂእኻ? ሃገርካ ኣበይ እዩ? ካብ መን ወገንከ ኢኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
9ንሱ ኸዓ “ኣነ ዕብራዊ እየ፤ ነቲ ባሕርን ንቑፅ የብስን ዝፈጠረ፥ ንኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር ዘምልኽ እየ” በሎም። 10ሽዑ እቶም ሰባት፥ ንሱ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ይሃድም ከም ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም፥ ፈሊጦም ነበሩ፤ የመናውን ፈርሑ እሞ “ስለ ምንታይ ደኣ እዙይ ገበርካ?” በልዎ። 11እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዐ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ንሳቶም “ባሕሪ ኽሃድአልናስ እንታይ ንግበርካ?” በልዎ።
12ንሱ ድማ “እዝ ብርቱዕ ማዕበል ብሰንከይ ከም ዝበፅሐኩም ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፥ ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፤ እቲ ባሕሪ ኸዓ ኽሃድአልኩም እዩ” በሎም።
13እቶም ሰባት እናቐዘፉ ናብ ምድሪ ኽምለሱ ኣበርቲዖም ይፅዕሩ ነበሩ። ግና እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኮነሎምን። 14ሽዑ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንልምነካ ኣለና፤ ምእንቲ ነፍሲ እዝ ሰብ እዙይ ኣይተጥፍአና፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ዝፈተኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፥ ንፁህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይኹን” ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ 15ንዮናስ ኣልዒሎም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ እቲ ባሕሪ እውን ካብ ምንዋፁ ሃድአ። 16እቶም ሰባት ከዓ ንእግዚኣብሄር የመና ፈርሑዎ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ መስዋእቲ ሰውኡ፤ መብፅዓውን ተመባፅዑ።
17እግዚኣብሄር ግና ንዮናስ ዝውሕጥ ሓደ ዓብዪ ዓሳ፥ ኣዳለወ። ዮናስ ከዓ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ።
നിലവിൽ തിരഞ്ഞെടുത്തിരിക്കുന്നു:
ዮናስ 1: ትመ15
ഹൈലൈറ്റ് ചെയ്യുക
പങ്ക് വെക്കു
പകർത്തുക

നിങ്ങളുടെ എല്ലാ ഉപകരണങ്ങളിലും ഹൈലൈറ്റുകൾ സംരക്ഷിക്കാൻ ആഗ്രഹിക്കുന്നുണ്ടോ? സൈൻ അപ്പ് ചെയ്യുക അല്ലെങ്കിൽ സൈൻ ഇൻ ചെയ്യുക