ኣሞፅ 7

7
ራእይ ኣንበጣ
1እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ እቲ ዳሕረዋይ ናይ ንጉስ ዝኾነ ሳዕሪ ምስ ተዓፅደ፥ ገና ምጭላድ ክጅምር እንተሎ፥ እግዚኣብሄር ኣንበጣ ፈጠረ፤ እንሆ ድሕሪ ዓፂድ እቲ ንጉስ ዝበቈለ ጠጥዒ ነበረ። 2ኣብቲ ራእይ ከዓ ነቲ ዅሉ ጠጥዒ ምድሪ ኽበልዖ እንተሎ ረአኹ እሞ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ያእቆብ ንእሽተይ እዩሞ፥ ከመይ ገይሩ ኽቐውም ይኽእል? በይዛኻ ሓጢኣት ህዝብኻ ይቕረ በል” በልኩ። 3እግዚኣብሄር ድማ በዝ ነገር እዙይ ተናስሐ፤ “እዙይስ ኣይኸውንን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
ራእይ ሓዊ
4ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ብሓዊ ኽቐፅዕ ፀውዐ። እቲ ሓዊ ነቲ ዓብዪ ቃላይ ባሕርን ንምድርን በልዖ። 5ኣነ ድማ “ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ንኽትሓድግ እልምነካ ኣለኹ፤ ያእቆብ ንእሽተይ እዩሞ፥ ከመይ ገይሩ ኽቐውም ይኽእል?” በልኩ። 6እግዚኣብሄር ከዓ በዝ ነገር እዙይ ተናስሐ፤ “እዙይውን ኣይኸውንን እዩ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
ራእይ ገመድ መተኻኸሊ መንደቕ
7ከምዙይ እውን ኣርኣየኒ፦ እንሆ እግዚኣብሄር መለክዒ መንደቕ ገመድ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ኣብቲ ብመለክዒ ዝተሰርሐ መንደቕ ደው ኢሉ ነበረ። 8እግዚኣብሄር ድማ “ኣሞፅ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ኸዓ “ሓደ መለክዒ መንደቕ” በልኩ።
እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ ኣብ መንጎ ህዝበይ እስራኤል፥ ንመለክዒ መንደቕ ክገብሮ እየ። ካብዙይ ንደሓር ኣይሓልፎን እየ። 9ናይ ይስሓቅ መምለኺ ዀረብታታት ክዓንዉ እዮም። መቕደስ እስራኤል ክፈርስ እዩ። ኣነውን ኣብ ልዕሊ ቤት ኢዮርብዓም፥ ብሰይፊ ኽለዓል እየ” በለ።
ኣሞፅን ኣሜስያስን
10ሽዑ ኣሜስያስ ካህን ቤቴል፥ ናብ ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤል፥ ከምዙይ ኢሉ መልእኽቲ ለኣኸ፦ “ኣሞፅ ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ሻራ ገይሩልካ ኣሎ። እታ ምድሪ እውን ንዅሉ ቓላቱ ክትፀውር ኣይትኽእልን እያ። 11ኣሞፅ ባዕሉ ‘ኢዮርብዓም ብሰይፊ ኽመውት እዩ፤ ህዝቢ እስራኤል ከዓ ተማሪኾም፥ ካብ ምድሮም ክውሰዱ እዮም’ ኢሉ ይዛረብ ኣሎ” በሎ።
12ኣሜስያስ ድማ ንኣሞፅ “ኣታ በዓል ራእይ፥ ኪድ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ህደም፤ ኣብኣውን እንጀራኻ ብላዕ፤ ኣብኣ ኸዓ ተነበ። 13ግና ቤቴል ናይ ንጉስ መቕደስ፥ ናይ መንግስቱውን መንበሪ እያ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ኣብኣ ኣይትነበ” በሎ።
14ኣሞፅ ከዓ ንኣሜስያስ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነ ሓላዊ ኸፍትን፥ ኣራዪ ፍረ ዳዕሮን እየ እምበር፥ ነቢይ ወይ ወዲ ነቢይ ኣይኮንኩን። 15ኣባጊዕ ክጓሲ እንተለኹ ኸዓ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ ‘ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ’ በለኒ። 16ሕዚ እውን ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ ‘ንስኻ፥ ኣንፃር እስራኤል ኣይትነበ፤ ኣንፃር ቤት ይስሓቕውን ኣይትስበኽ’ ትብል ኣለኻ። 17ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፤ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቅኻ፥ ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ፤ ንስኻውን ኣብ ዝረኸሰት ሃገር ክትመውት ኢኻ። እስራኤልውን ብርግፅ ካብ ሃገሩ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።”

നിലവിൽ തിരഞ്ഞെടുത്തിരിക്കുന്നു:

ኣሞፅ 7: ትመ15

ഹൈലൈറ്റ് ചെയ്യുക

പങ്ക് വെക്കു

പകർത്തുക

None

നിങ്ങളുടെ എല്ലാ ഉപകരണങ്ങളിലും ഹൈലൈറ്റുകൾ സംരക്ഷിക്കാൻ ആഗ്രഹിക്കുന്നുണ്ടോ? സൈൻ അപ്പ് ചെയ്യുക അല്ലെങ്കിൽ സൈൻ ഇൻ ചെയ്യുക