Kisary famantarana ny YouVersion
Kisary fikarohana

ዘፀኣት መእተዊ

መእተዊ
ኦሪት ዘፀኣት፥ ህዝቢ እስራኤል ካብቲ ባሮት ኮይኖም ዝነብሩሉ ዝነበሩ ምድሪ ግብፂ ኸም ዝወፁ ይገልፅ። ኣብ ኣርባዕተ ዋና ዋና ኽፍልታት ድማ ይምደብ፦
1. ዕብራውያን ካብ ኣርዑት ባርነት ከም ዝወፁ።
2. ክሳዕ ደብረ ሲና ዝገበርዎ ጕዕዞ።
3. እግዚኣብሄር ኣብ ሲና ምስ ህዝቡ ዝኣተዎ ኺዳን ንናብራኣቶምን ንሃይማኖቶምን ዝሰርዖ ሕግታት።
4. ንእግዚኣብሄር ዘምልኹሉ ሰፈርን፥ ካህናት ዝመሓዳደሩሉ ሕግታትን ከም ዝሃቦም ዝሓዘ እዩ።
ልዕሊ ዅሉ ድማ፥ እዝ መፅሓፍ እዙይ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብ ባርነት ምስ ኣውፅኦም ንሓዋሩ ተስፋ ዘለዎም ህዝቢ ኸም ዝገብሮም የረድእ።
ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ኣውራ ተፈላጢ ኾይኑ እንረኽቦ ሙሴ እዩ። ንህዝቢ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅኦም እግዚኣብሄር ንእኡ ሓረዮ። እቲ የመና ዝተፈልጠ ኽፍሊ ኦሪት ዘፀኣት ድማ እቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዘ ምዕራፍ 20 እዩ።
ትሕዝቶ
1. እስራኤላውያን ካብ ግብፂ ሓራ ኸም ዝወፁ 1፡1-15፡21
1) ባርነት ኣብ ግብፂ 1፡1-22
2) ልደት ሙሴን ኣተዓባብያኡን 2፡1-4፡31
3) ሙሴን ኣሮንን ንንጉስ ግብፂ ኸም ዝተቓወምዎ 5፡1-11፡10
4) በዓል ፋሲካን ካብ ግብፂ ምውፃእን 12፡1-15፡21
2. ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ ደብረ ሲና 15፡22-18፡27
3. ሕግን ኪዳንን 19፡1-24፡18
4. ድንኳን ኪዳንን ስርዓት ኣምልኾን 25፡1-40፡38

Voafantina amin'izao fotoana izao:

ዘፀኣት መእተዊ: ትመ15

Asongadina

Hizara

Dika mitovy

None

Tianao hovoatahiry amin'ireo fitaovana ampiasainao rehetra ve ireo nasongadina? Hisoratra na Hiditra