1
ዘፀኣት 2:24-25
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እግዚኣብሄርውን ኣውያቶም ሰምዐ። እግዚኣብሄር ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሓቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ቓል ኺዳን ዘከረ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ተመልከተ፤ ኩነታቶምውን ፈለጠ።
Mampitaha
Mikaroka ዘፀኣት 2:24-25
2
ዘፀኣት 2:23
ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንጉስ ግብፂ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከዓ ባርነት መሪሩዎም በኸዩ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ጠርዑ። እቲ ብዛዕባ ባርነቶም ዝገበርዎ ኣውያት ድማ ናብ እግዚኣብሄር ዓረገ።
Mikaroka ዘፀኣት 2:23
3
ዘፀኣት 2:10
እቲ ህፃን ምስ ዓበየ ኸዓ ናብ ጓል ፈርዖን ኣምፅአቶ፤ ወዳ ድማ ኾነ። “ካብ ማይ ኣውፂአዮ እየ” እንትትብል ከዓ ሙሴ ዝብል ስም ኣውፅአትሉ።
Mikaroka ዘፀኣት 2:10
4
ዘፀኣት 2:9
እታ ጓል ፈርዖን ድማ “ነዝ ህፃን እዙይ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፤ ኣነ ኸዓ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ” በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ህፃን ወሲዳ ኣጥበወቶ።
Mikaroka ዘፀኣት 2:9
5
ዘፀኣት 2:5
ጓል ፈርዖን ከዓ ኽትሕፀብ ናብ ሩባ ወረደት፤ እተን ኣግራዳ ድማ፥ ወሰና ወሰን እቲ ፈለግ ይዛወራ ነበራ። እታ ጓል ፈርዖን ድማ ኣብ ማእኸል እቲ ሰልሰላ ሓደ ሳፁን ረአየት። ገረዳ ሰዲዳ ከዓ ኣምፅአቶ።
Mikaroka ዘፀኣት 2:5
6
ዘፀኣት 2:11-12
በቲ ወርሓት እቱይ፥ ሙሴ ምስ ዓበየ፥ ናብ ኣሕዋቱ ኸይዱ ነቲ ብርቱዕ ፃዕሮም ረአየ። ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ፥ ካብቶም ወገናቱ ንዝኾነ ሓደ ዕብራዊ፥ ክወቕዖ እንተሎ ረአየ። ናብዙይን ናብቱይን ግልፅ ኢሉ፥ ሰብ ከም ዘየለ ምስ ረአየ፥ ነቲ ግብፃዊ ቐተሎ፤ ኣብ ሑፃውን ደፈኖ።
Mikaroka ዘፀኣት 2:11-12
Fidirana
Baiboly
Planina
Horonan-tsary