ሶፎንያስ መእተዊ

መእተዊ
ነቢይ ሶፎንያስ፥ ኣብ መወዳእታ ናይ ሻውዓይ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ይሰብኽ ነበረ። ንጉስ ኢዮስያስ ብ621 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ መንፈሳዊ ምሕዳስ ገይሩ ነበረ። ሶፎንያስ ከዓ ቕድሚኡ፥ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ፥ ብትንቢት የገልግል ከም ዝነበረ ይግመት።
እቲ መፅሓፍ “ህዝቢ ይሁዳ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዘምለኹ ኽቕፅዑ እዮም፤ መዓልቲ ጥፍኣትን ዕንወትን ከርክቦም እዩ። እግዚኣብሄር ንኻልኦት ሃገራት እውን ክቐፅዖም እዩ። ኢየሩሳሌም ግና እንተ ጠፍአት እኳ፥ ከም ብሓድሽ ክትሕደስ እያ። ትሕትናን ቅንዕናን ዝመልኦም ሰባት ድማ ኣብኣ ኽነብሩ እዮም” ዝብል ትንቢታዊ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ።
ትሕዝቶ
1. መዓልቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር 1፡1-2፡3
2. ጥፍኣት ጐረባብቲ እስራኤል 2፡4-15
3. ሓጢኣት ኢየሩሳሌምን ምድሓናን 3፡1-20

하이라이트

공유

복사

None

모든 기기에 하이라이트를 저장하고 싶으신가요? 회원가입 혹은 로그인하세요