1
ሉቃስ 14:26
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
“ናባይ ክመፅእ ዝደሊ ኣቦኡን እኖኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፥ ህይወቱውን ከይተረፈ እንተ ዘይፀሊኡ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።
비교
ሉቃስ 14:26 살펴보기
2
ሉቃስ 14:27
መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።
ሉቃስ 14:27 살펴보기
3
ሉቃስ 14:11
ዅሉ ንባዕሉ ዘኽብር ክዋረድ እዩ፤ ንባዕሉ ዘትሕት ግና፥ ክኸብር እዩ እሞ።”
ሉቃስ 14:11 살펴보기
4
ሉቃስ 14:33
ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም፥ ዘለዎ ዅሉ ዘይሓደገ፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።
ሉቃስ 14:33 살펴보기
5
ሉቃስ 14:28-29-30
ካባኻትኩምከ፥ ሓደ ኣዳራሽ ክሰርሕ ዝደሊ እሞ፥ ንምውድኡ ዝኣኽሎ ገንዘብ እንተ ሃልይዎ፥ ኣቐዲሙ ዘይፅብፅብ መን እዩ? እንተ ዘይኮነ መሰረት ምስ ሰረተ፥ ምውዳእ እንተ ሰኣነ፥ ኵሎም ዝረአይዎ ‘እዝ ሰብ እዙይ ህንፃ ጀሚሩስ፥ ክፍፅም ኣይከኣለን’ እናበሉ ኽሕጭጩሉ ይጅምሩ።
ሉቃስ 14:28-29-30 살펴보기
6
ሉቃስ 14:13-14
ምሳሕ እንተ ገበርካስ፥ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ፀውዕ። ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁእ ክትከውን፥ ብትንሳኤ ፃድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ።
ሉቃስ 14:13-14 살펴보기
7
ሉቃስ 14:34-35
ጨው ፅቡቕ እዩ፤ ጨው መቐረቱ እንተ ኣጠፍአኸ፥ ብምንታይ የመቅርዎ? ንመሬት ኾነ ንድዅዒ ስለ ዘይጠቅም፥ ናብ ደገ ይድርብይዎ፤” ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!
ሉቃስ 14:34-35 살펴보기
홈
성경
묵상
동영상