1
ዮሃንስ 6:35
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ።
비교
ዮሃንስ 6:35 살펴보기
2
ዮሃንስ 6:63
ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ።
ዮሃንስ 6:63 살펴보기
3
ዮሃንስ 6:27
እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም።
ዮሃንስ 6:27 살펴보기
4
ዮሃንስ 6:40
ኵሉ ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፥ ኣነውን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ፤ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።”
ዮሃንስ 6:40 살펴보기
5
ዮሃንስ 6:29
ኢየሱስ ድማ “ግብሪ እግዚኣብሄርስ፥ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ” በሎም።
ዮሃንስ 6:29 살펴보기
6
ዮሃንስ 6:37
ኵሉ እቲ ኣብ ዝህበኒ ናባይ ክመፅእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።
ዮሃንስ 6:37 살펴보기
7
ዮሃንስ 6:68
ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ቃል ህይወት ኣለካ፤ ናብ መን እሞ ኢና ኽንከይድ?
ዮሃንስ 6:68 살펴보기
8
ዮሃንስ 6:51
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”
ዮሃንስ 6:51 살펴보기
9
ዮሃንስ 6:44
እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናባይ ክመፅእ ዝኽእል ሓደኳ የለን፤ ኣነ ድማ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተስኦ እየ።
ዮሃንስ 6:44 살펴보기
10
ዮሃንስ 6:33
እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ፥ ንዓለምውን ህይወት ዝህብ፥ ናይ እግዚኣብሄር እንጀራ እዩ እሞ” በሎም።
ዮሃንስ 6:33 살펴보기
11
ዮሃንስ 6:48
ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ።
ዮሃንስ 6:48 살펴보기
12
ዮሃንስ 6:11-12
ኢየሱስ ነተን እንጀራ ኣልዒሉ፥ ኣመስጊኑ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፤ ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ነቶም ዝተቐመጡ ሰባት ሃብዎም፤ ነቶም ዓሳታትውን ከምኡ ኸከምዝደልዩዎ ሃብዎም። በሊዖም ምስ ፀገቡ ድማ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ካብኡ ሓደኳ ኸይባኽን፥ ነቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም።
ዮሃንስ 6:11-12 살펴보기
13
ዮሃንስ 6:19-20
ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ኣቢሎም ምስ ከዱ፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ፥ ናብታ ጃልባ ኽቐርብ እንተሎ ሪኦም ፈርሑ። ንሱ ግና “ኣነ እየ፤ ኣይትፍርሑ” በሎም።
ዮሃንስ 6:19-20 살펴보기
홈
성경
묵상
동영상