1
ግብሪ ሃዋርያት 1:8
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፥ ሓይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም። ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ይሁዳን፥ ኣብ ሰማርያን፥ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን፥ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም” በሎም።
비교
ግብሪ ሃዋርያት 1:8 살펴보기
2
ግብሪ ሃዋርያት 1:7
ኢየሱስ ከዓ “ነቲ ኣብ፥ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን እዋንን ክትፈልጡ፥ ኣይተውሃበኩምን።
ግብሪ ሃዋርያት 1:7 살펴보기
3
ግብሪ ሃዋርያት 1:4-5
ምስኣቶም ብሓደ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ፦ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኹምዎ፥ ናይ ኣብ ተስፋ ተፀበዩ እምበር፥ ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውፅኡ። ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት፥ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም” ኢሉ ኣዘዞም።
ግብሪ ሃዋርያት 1:4-5 살펴보기
4
ግብሪ ሃዋርያት 1:3
ብድሕሪ ሞቱ፥ ነርብዓ መዓልቲ ዝኣክል እናተርአዮም፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከዓ እናነገሮም፥ ብብዙሕ መረዳእታ፥ ህያው ከም ዝኾነ ንባዕሉ ኣርኣዮም።
ግብሪ ሃዋርያት 1:3 살펴보기
5
ግብሪ ሃዋርያት 1:9
እዙይ ምስ በለ ድማ፥ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ፤ ካብ ኣዒንቶም ከዓ፥ ደመና ሰወሮ።
ግብሪ ሃዋርያት 1:9 살펴보기
6
ግብሪ ሃዋርያት 1:10-11
ንሱ ኽዓርግ እንተሎ፥ ንሳቶም ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ እንተለዉ፥ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት፥ ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሎም፥ “ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም፥ ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ፥ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመፅእ እዩ” በልዎም።
ግብሪ ሃዋርያት 1:10-11 살펴보기
홈
성경
묵상
동영상