1
ዘፀኣት 12:12-13
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
“በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብፂ ኽሓልፍ እየ፤ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ኽቐትል እየ። ንዅሎም ኣማልኽቲ ግብፂ ኸዓ ኽቐፅዖም እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እቲ ደም ኣበየንአን ኣባይቲ ኸም ዘለኹም ምልክት ክኾነኩም እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ደም ምስ ረአኹ ኽሓልፈኩም እየ። ንምድሪ ግብፂ ኽወቕዓ እንተለኹ ድማ፥ እቲ ዝቐትል መዓት ኣይነኽአኩምን እዩ።
Confronta
Esplora ዘፀኣት 12:12-13
2
ዘፀኣት 12:14
ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፤ ንኣይ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣብዕልዋ፤ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩምውን ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ።
Esplora ዘፀኣት 12:14
3
ዘፀኣት 12:26-27
ደቅኹም ‘እዝ ስርዓት እዙይ እንታይ እዩ?’ ኢሎም እንተ ጠየቑኹም፥ ‘እግዚኣብሄር ንግብፃውያን ክቐትል እንተሎ፥ ኣብ ግብፂ ንኣባይቲ ደቂ እስራኤል ስለ ዝሓለፈ፥ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝውፈ መስዋእቲ ፋሲካ እዩ’ በልዎም” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ንእግዚኣብሄር ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
Esplora ዘፀኣት 12:26-27
Home
Bibbia
Piani
Video