Akara Njirimara YouVersion
Akara Eji Eme Ọchịchọ

እንባቆም መእተዊ

መእተዊ
ትንቢት ነቢይ እንባቆም፥ ባቢሎናውያን ነጊሶም ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን፥ ኣብ መወዳእታ ናይ ሻውዓይ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ተሰምዐ።
እንባቆም በዞም ጨካናት ህዝቢ እዚኣቶም ዝፍፀም ብዝነበረ ግፍዒ፥ ኬርና ስለ ዝተናደደ፥ ንእግዚኣብሄር “ኣዒንትኻ ኽፉእ ንምርኣይ የመና ፅሩያት እየን። በደል ንዝገብሩ ሰባት ክትጥምትውን ኣይትኽእልን። ነቶም ጠለምቲኸ ስለ ምንታይ ስቕ ኢልካ እትጥምቶም? ስለ ምንታይከ እቲ ሓጥእ ነቲ ኻብኡ ዝፀድቕ ክዕምፆ እንተሎ ስቕ እትብል?” ኢሉ ጠየቐ (1፡13)።
እግዚኣብሄር ከዓ “በቲ ምችዊ ጊዜ ኽቐፅዖም እየ፤ ‘ፃድቕ ግና ብእምነት ይነብር’ ” ኢሉ መለሰሉ (2፡4)።
እቲ ዝተረፈ ኽፍሊ ናይቲ መፅሓፍ ብዛዕባ ንኽፉኣት ሰባት ክበፅሖም ዘለዎ ናይ ውድቀት ትንቢት ዝሓዘ እዩ። ኣብ መወዳእታ፥ ንልዕልና እግዚኣብሄር ብዘሞግስን፥ ነታ ዘይትመውት እምነቱ ብዝገልፅን ግጥሚ ይዛዝም።
ትሕዝቶ
1. ጥርዓን እንባቆምን እግዚኣብሄር ዝሃቦ መልስን 1፡1-2፡4
2. ጥፍኣት ክፉኣት ሰባት 2፡5-20
3. ፀሎት እንባቆም 3፡1-19

Mee ka ọ bụrụ isi

Kesaa

Mapịa

None

Ịchọrọ ka echekwaara gị ihe ndị gasị ị mere ka ha pụta ìhè ná ngwaọrụ gị niile? Debanye aha gị ma ọ bụ mee mbanye