Akara Njirimara YouVersion
Akara Eji Eme Ọchịchọ

ገላትያ መእተዊ

መእተዊ
ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምህር ቃል ወንጌል እናተሰብከ፥ ኣብ መንጎ እቶም ኣይሁድ ዘይኮኑ ሰባት ከዓ፥ ተቐባልነት እናረኸበ ክኸይድ እንተሎ፥ “ሓቀኛ ክርስቲያን ንምዃን፥ ሕጊ ሙሴ ምፍፃም የድሊ ድዩ? ወይ ኣየድልን?” ዝብል ጥያቐ ተልዓለ። ጳውሎስ ከዓ “ክርስቲያን ንምዃን፥ ሕጊ ሙሴ ምፍፃም ኣየድልን እዩ። እኳ ደኣ ብክርስቶስ ሓድሽ ህይወት ንምርካብ፥ መሰረቱ እምነት እዩ። ሰባት ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፀድቁ ዝኽእሉ፥ ብእምነት ጥራሕ እዩ” ብምባል ይከራኸር። እንተ ኾነ ኣብ መንጎ እተን ኣብ ንእሽተይ እስያ፥ ኣብታ ናይ ሮሜ ግዝኣት ዝኾነት፥ ኣብ ገላትያ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን ዝነበሩ ሰባት “ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፀድቕ ዝኽእል፥ ብኢየሱስ ብምእማን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሕጊ ሙሴ ኽፍፅምውን ግቡእ እዩ” እናበሉ ብምምሃር ንጳውሎስ ዝቃወሙ ሰባት ነበሩ።
ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ናብ ሰብ ገላትያ ዝፀሓፋ ድማ፥ ነቶም በዝ ግጉይ ዝኾነ ትምህርቲ ዝተታለሉ ሰባት፥ ናብ ቅኑዕ እምነትን ተግባርን ምእንቲ ኽምለሱ እዩ። ጳውሎስ፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ተብሂሉ ኽፅዋዕ መሰል ከም ዘለዎ ብምርግጋፅ ይጅምር። ንሃዋርያነት ዝፀውዖ ድማ፥ ባዕሉ እግዚኣብሄር እምበር ሰብ ከም ዘይኮነ፥ ተልእኾኡውን ብፍላይ ኣይሁድ ናብ ዘይኮኑ ሰባት ምዃኑ የረድእ። ኣስዒቡ ድማ ሰባት ክፀድቁ ዝኽእሉ፥ ብእምነት ጥራሕ ምዃኑ ኣብሪሁ ይገልፅ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ምዕራፋት ከዓ፥ ክርስቲያናዊ ባህርይ፥ ካብቲ ንኢየሱስ ብምእማን ዝርከብ ፍቕሪ ዝፍልፍል ምዃኑ ይምህር።
ትሕዝቶ
1. መእተዊ 1፡1-10
2. ስልጣን ጳውሎስ ከም ሃዋርያ 1፡11-2፡21
3. ፀጋ እግዚኣብሄር ዝህብ ወንጌል 3፡1-4፡31
4. ናይ ክርስቲያን ነፃነትን ሓላፍነትን
5፡1-6፡10
5. መደምደምታ 6፡11-18

Nke Ahọpụtara Ugbu A:

ገላትያ መእተዊ: ትመ15

Mee ka ọ bụrụ isi

Kesaa

Mapịa

None

Ịchọrọ ka echekwaara gị ihe ndị gasị ị mere ka ha pụta ìhè ná ngwaọrụ gị niile? Debanye aha gị ma ọ bụ mee mbanye