Akara Njirimara YouVersion
Akara Eji Eme Ọchịchọ

2ይ ቆሮንቶስ መእተዊ

መእተዊ
ጳውሎስ ምስታ ኣብ ቆሮንቶስ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፥ ፀገም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፥ ነዛ ኻልአይቲ መልእኽቱ ፀሓፈ። ገሊኣቶም ካብ ኣባላት እታ ቤተ ክርስቲያን ተሪር ነቐፋ ኣቕሪቦሙሉ ነበሩ። ጳውሎስ ግና ንምትዕራቕ ዓብዪ ሃረርታ ኸም ዝነበሮ፥ እዙይ እንተ ተፈፂሙ ኸዓ፥ ዓብዪ ሓጐስ ከም ዝስምዖ ይገልፅ።
ኣብ መጀመርታ ኽፍሊ መልእኽቱ ድማ፥ ምስታ ኣብ ቆሮንቶስ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ዝነበሮ ርክብ ይገልፅ። በታ ቤተ ክርስቲያን ንዝበፅሖ ነቐፋን ፀርፍን፥ ስለ ምንታይ ኣትሪሩ መልሲ ኸም ዝሃበ የረድእ። ኣስዒቡ ድማ እዝ ናቱ ተሪር መልሲ፥ ናብ ንስሃን ናብ ዕርቅን ስለ ዝመርሖም፥ ዝተሰምዖ ሓጐስ ይገልፀሎም። ቀፂሉውን ነቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ዘለዉ ክርስቲያን ንምርዳእ፥ ብልግሲ ኽህቡ የዘኻኽሮም። ኣብተን መወዳእታ ምዕራፋት ከዓ፥ ገሊኣቶም ሰባት ኣብ ቆሮንቶስ ንባዕላቶም ሓቀኛታት ሃዋርያት ገይሮም፥ ንእኡ ንጳውሎስ ሃዋርያ ኸም ዘይኮነ ቘፂሮም ስለ ዘቃለልዎ፥ ናይ ብሓቂ ሃዋርያ ኸም ዝኾነ ንኸረድእ ግቡእ መልሲ ይህብ።
ትሕዝቶ
1. መእተዊ 1፡1-11
2. ጳውሎስን ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን 1፡12-7፡16
3. ኣብ ሃገር ይሁዳ ንዘለዉ ክርስቲያን ዝተገብረ ረድኤት 8፡1-9፡15
4. ጳውሎስ ሃዋርያ ኸም ዝኾነን ስልጣን ዘለዎ ምዃኑውን ከም ዘረድአን 10፡1-13፡10
5. መደምደምታ 13፡11-14

Mee ka ọ bụrụ isi

Kesaa

Mapịa

None

Ịchọrọ ka echekwaara gị ihe ndị gasị ị mere ka ha pụta ìhè ná ngwaọrụ gị niile? Debanye aha gị ma ọ bụ mee mbanye